SBS Examines: እዚ ቃል ንኣቡኣ (ንኮንሰታ) ጸርፊ ዝነበረ ንዕኣ ግን ዘኹርዕ መንነት ኮይኑ

Untitled design.png

These Greek and Italian migrants share their experiences of Australia and their place within it. Credit: SBS Examines

'ዎግ' (Wog) ዝብል ቃል ነቶም ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ካብ ግሪኽን ኢጣልያን ናብ ኣውስትራልያ ዝመጹ ሰባት መጻረፊ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ድሕሪኦም ዝመጹ ወለዶታት ግን ባህላዊ መንነቶም ዝተፈልየ ትርጉም ብምሃብ ነቲ ቃል ወኒኖሞ ወይ ናቶም ገይሮሞ።


መጠንቀቕታ: ዘጨንቕ ቋንቋ ዘለዎ ትሕዝቶ

እዚ ዓመት ኤስቢኤስ መበል 50 ዓመቱ ዘኽብረሉ’ዩ፡ ነዚ ንምብዓል ዛንታታት ስግረባህላዊ ዓወታትን ሕቡናት ሕብረባህላዊ ማሕበረሰባትን ነካፍል ኣለና።

SBS ኣብ 1975 ከም ክልተ መደበራት ሬድዮ ማሕበረሰብ - 2EA ኣብ ሲድኒን 3EA ኣብ መልበርንን - ክጅመር'ንከሎ፡ ገለ ካብ'ቶም ነዊሕ ዝሰረቱ ማሕበረሰባት መጻእቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝኾኑ ቋንቋታት ግሪኽን ኢጣልያን'ዮም እቶም ቀዳሞት ንፈነወ ዝቐረቡ።

እንተኾነ ግን እዞም ማሕበረሰባት ኣድልዎ የጋጥሞም ኔሩ፡ 'ዎግስ' ዝብል ስም'ውን ወጺእዎም፡ ኣብ'ዚ ኣብ ኣውስትራልያ መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ካብ ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ወይ ሜዲተራንያን ዝመጹ ሰባት ዝጥቀምሉ ዓሌታዊ ጸርፊ ወይ መጸውዒ።

ሕጂ ገለ ሰባት ነዚ ስም ወይ ቃል ሕጂ'ውን ዓሌታዊ'ዩ ኢሎም ይሓስብዎ፡ ብዙሓት ካልኦት ግን ነቲ ቃል ክወርስዎን መግለጺ መንነቶም ክገብርዎን ወይ ንነብሶም ክጽውዕሉን (ሰልፍ-ኣይደንቲፋይ) ወይ ድማ ንተጻዋርነቶም ዝገልጽ ቃል ገይሮም ክጥቀምሉ ይደልዩ።

ሎሚ ትርጉም ናይ'ዚ ቃል ምስ ግዜ ከመይ ኢሉ ተቐያይሩ ወይ ማዕቢሉን፡ ተሞክሮታት ናይ'ቶም ኣውስትርልያዊ ምዃን እንታይ ምዃኑ ዝቐረጽዎ ወለዶታት መጻእቲ ኢጣልያውያንን ግሪኻውያንን ክንምርምርን ክንምልከትን ኢና።
እዚ ትሕዝቶ SBS Examines፣ ንቀዳሞት መጻእትን ስደተኛታትን ዝኾኑ ሰማዕቲን ኣበርክቶኦም ንዘመናዊት ኣውስትራልያን ኣፍልጦ ብምሃብ፣ 50 ዓመታት ኤስቢኤስ የብዕል።

Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service