መጠንቀቕታ: ዘጨንቕ ቋንቋ ዘለዎ ትሕዝቶ
እዚ ዓመት ኤስቢኤስ መበል 50 ዓመቱ ዘኽብረሉ’ዩ፡ ነዚ ንምብዓል ዛንታታት ስግረባህላዊ ዓወታትን ሕቡናት ሕብረባህላዊ ማሕበረሰባትን ነካፍል ኣለና።
SBS ኣብ 1975 ከም ክልተ መደበራት ሬድዮ ማሕበረሰብ - 2EA ኣብ ሲድኒን 3EA ኣብ መልበርንን - ክጅመር'ንከሎ፡ ገለ ካብ'ቶም ነዊሕ ዝሰረቱ ማሕበረሰባት መጻእቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝኾኑ ቋንቋታት ግሪኽን ኢጣልያን'ዮም እቶም ቀዳሞት ንፈነወ ዝቐረቡ።
እንተኾነ ግን እዞም ማሕበረሰባት ኣድልዎ የጋጥሞም ኔሩ፡ 'ዎግስ' ዝብል ስም'ውን ወጺእዎም፡ ኣብ'ዚ ኣብ ኣውስትራልያ መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ካብ ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ወይ ሜዲተራንያን ዝመጹ ሰባት ዝጥቀምሉ ዓሌታዊ ጸርፊ ወይ መጸውዒ።
ሕጂ ገለ ሰባት ነዚ ስም ወይ ቃል ሕጂ'ውን ዓሌታዊ'ዩ ኢሎም ይሓስብዎ፡ ብዙሓት ካልኦት ግን ነቲ ቃል ክወርስዎን መግለጺ መንነቶም ክገብርዎን ወይ ንነብሶም ክጽውዕሉን (ሰልፍ-ኣይደንቲፋይ) ወይ ድማ ንተጻዋርነቶም ዝገልጽ ቃል ገይሮም ክጥቀምሉ ይደልዩ።
ሎሚ ትርጉም ናይ'ዚ ቃል ምስ ግዜ ከመይ ኢሉ ተቐያይሩ ወይ ማዕቢሉን፡ ተሞክሮታት ናይ'ቶም ኣውስትርልያዊ ምዃን እንታይ ምዃኑ ዝቐረጽዎ ወለዶታት መጻእቲ ኢጣልያውያንን ግሪኻውያንን ክንምርምርን ክንምልከትን ኢና።
እዚ ትሕዝቶ SBS Examines፣ ንቀዳሞት መጻእትን ስደተኛታትን ዝኾኑ ሰማዕቲን ኣበርክቶኦም ንዘመናዊት ኣውስትራልያን ኣፍልጦ ብምሃብ፣ 50 ዓመታት ኤስቢኤስ የብዕል።