ሉቺያኖ ቫሳሎ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ፣ ኣውስትራልያ ተቐዳደምቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሳተፍዎ ሻምፒዮና ቅ/ብሽግለታ ዓለም ተአንግድ
ቅድድም ብሽግለታ ሻምፒዮና ዓለም 2022፣ ዎሎንጎንግ፣ ኣውስትራልያ Credit: SBS Cycling
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ: * ህቡብን ገዲምን ኮኾብ ኤርትራዊን ኢትዮጵያዊን ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዝነበረ ሉቺያኖ ቫሳሎ ዝሓለፈ ዓርቢ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ፣ * ናብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 መንእሰያት ት17 ንምሕላፍ ኣብ ዝካየዱ ዞባዊ መባእታዊ መጻረዪ ግጥማት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሓደ ምድብ በጺሕወን፣ * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዳዊት የማነ ተዓዋቲ ቅ/ብ ዙር ሰርቢያ 2022 ኮይኑ፣ * ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም 2022 ኣብ’ዚ ኣብ ኣውስትራልያ ከተማ ዎሎንጎንግ ተጀሚሩ፣ ዝለዓሉ ተቐዳደምቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝተፈላለዩ መደባት ቅድድም ይቀራረቡ
Share