ኣብ መንጎ ክልተ ተቓረንቲ ሓይልታት የመን ኣብ ስዊድን ክግበር ዝቐነየ ዘተ ኣብ ወደባዊት ከተማ ሆደይዳ ተዂሲ ደው ዘብል ስምምዕ ዝርከቦ ስምምዓት ተፈሪሙ ተዛዚሙ። ተዛተይቲ ከምዝብልዎ ኣብ ገለ ጉዳያት ኣብ ስምምዕ እንተተበጽሐ’ኳ ኣብታ ሃገር ምሉእ ሰላም ክነግስ ግና ብዙሕ ዝተርፍ ነገራት ኣሎ።
ድሕሪ ሸውዓተ መዓልታት ተኸትታሊ ናይ ሰላም ዘተ፣ ናይ የመን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ንጉጅለ ተዛታዪ ሖቲ መሪሑ ዝመጸን ብዓቢ ጣቕዒት ተዓጅቦም ኢድ ንኢድ ተጨባቢጦም። ክልቲኦም ኣካላት ነቲ ኣብ ወደብ ሆደይዳ ክግበር ዝጸንሐ ኲናት ደው ከብሉ ምሉእ ብምሉእ ተሰማሚዖም ኣለዉ።
ናይ ዉሕሃ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ነቲ ብውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ስዊድን ዝተወደበ ዘተ ሰላም ብጽቡቕ ከምተዛዘመ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዘተ ገሊጹ፡
"ኣብቲ ስምምዕ ንብዘሎ ምምሕዳር ሆደይዳ ናይ ተዂሲ ደው ምባል ስምምዕ ተኣዊጁ ኣሎ። ካብ ከተማ ይኹን ካብ ጎረባብቲ ገጠራት ኩሎም ሓይልታት ሰራዊት ክስሕቡ እዮም።
ወደብ ሆደይዳ ናብ የመን ዝኣቱ ምግብን ረዲኤትን እታ ቀንዲ ወደብ ናይ የመን እያ።
እታ ናይ ወደብ ከተማ ጉጅለ ሖቲ ድሕሪ ምሓዙ እታዋት ስለተዓግተ 14 ሚሊዮን ህዝቢ’ታ ሃገር ኣብ ዓጸቦ ክወድቕ ገይሩ እዩ።
እቲ ተጌሩ ስምምዕ ኣብ ተግባር እንተዊዒሉ፣ እዚ ተገይሩ ዘሎ ዉዕል ናይ ተኹሲ ስምምዕ ነቲ 4 ዓመት ዘቑጸረ ኲናት ነጥበ መቐይሮ እዩ።
ሞሓመድ ኣብዱሰላም እዩ ነቲ ናይ ሖቲ ጉጅለ መሪሑ ኣብቲ ዘተ ሰላም ተሳቲፉ። ንሰላም ህዝቢ የመን ክበሃል እቲ ንሱ ዝመርሖ ጉጅለ በዚ ተሰማሚዑ ኣሎ።
"ብዙሕ ሕድገታት ጌርና ኣለና፡ እዞም ሕድገታት እዚኦም ንህዝቢ የመን ተባሂሎም ዝተገብሩ እዮም። የመናዊያን ካብ ዓጸቦ፡ ካብ ቀታሊ ሕማማትን ኣጽናቲ ወተሃደራዊ ስርሒታት ክድሕኑ ዝኽእሉ ሆደይዳ እታ እንኮ መገዲ እያ።
ኣብ መንጎ ብኢራን ዝድገፍ ሖቲን ሱዕዲ ትድግፎ መንስቲ ሓዲን ክግበር ዝጸንሐ ግጭት የመን ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍኤ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝኾነ እዩ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝገልጽ።
"ኣብ ካልኦት ዞባታት እታ ሃገር ዛጊት ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኣይተገብረን ዘሎ። በዚ ድማ’የ እዚ መጀመሪታ ናይቲ መስርሕ’ዩ ዝበልኩ፡ እንተኾነ ትርጉም ዘለዎ ጅማረ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ተፈቲሑ ዘሎ ጉዳይ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ንተኽእሎታት ምዕባለ ከልምስ ዝጸንሐ እዩ።
ክልቲኦም ወገናት ብተወሳኺ 15,000 ዝኾኑ እሱራት ክቀያየሩ፡ ናብ ከተማ ጣዒዝ ድማ ረዲኤት ክበጽሕ ተሰማሚዖም ኣለዉ።
እታ ሃገር ካብ ዓጸቦ ክትገላገል ምእንቲ ቁጠባዊ ስጉምቲ ምውሳድ ዝብልን ካልእን ብዙሕ ኣድለይቲ ገና ዘይተፈትሑ ጉዳያት ኣለዉ።
ናይ Yemeni ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ካልድ ኣል ያማኒ ከምዝበሎ ብሰንኪ ናይቲ ዕጡቕ ምዕንቃጽ ነቲ ጉዳይ ከፍታሕ ስምምዕ ክግበር ኣይተካእለን።
"ብሰንኪ ናይቲ ካልእ ወገን እምቢተኛነት፡ እቲ ካልእ ዘይተሰማማዕናሉ ጉዳይ ወይውን እወታዊ ስጉምቲ ዘይወሰድናሉ ነገር፡ ጉዳይ ቁጠባ እዩ። ነቶም ፋይናንሲያዊ ትካላትን ኣብ ዓደን ዝርከብ ማእከላይ ባንክ ደገፍ ክግበር ድልየት ኔሩና፡ እንተኾነ እቲ ካልእ ወገን ንመነባብሮ ህዝብና ዝድግፍ እማመ ደው ኣቢልዎ። ብመሰረት ኣብ 2014 ዝወጸ መምርሒ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዘለዉ ሰራሕተኛታት ደሞዞም ክኽፈሉ ኢና ንብል ዘለና እንተኾነ እቲ ሓደ ኣካል ነቲ ጸጋታት ክቆጻጸርዎ ስለዝደለዩን ክግበር ኣይተኻእለን።
ተደራደርቲ ሖቲ ብወገኖም ብዛዕባ መጻኢ መዕርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ስምምዕ ከይግበር ንመንግስቲ የመን ዝወከለ ጉጅለ ዓንቂጹ ብምባል ይኸሱ።
እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ን 3 ዓመታት ንግዳዊ በረራ ከይገበረ ተዓጽዩ ጸኒሑ ኣሎ።
ናይ ሖቲመራሒ ዘተ ሞሃመድ ኣብዱሰላም ከምዝብሎ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተኸፊቱ ስርሑ ክጅምር ንተራ ዉሕሃ ከምዝጽበ ገሊጹ።
"እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብብቕዓት ከገልግል ምእንቲ ዉሕሃ ሎጂስቲካዊ ተራ ክጻወት ንሕና ድልዋት ኣለና። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ናይቲ ካልእ ወገን እማመ እቲ በረራ ካብ ሰንዓ ናብ ዓደን ክኸውን ዝብል’ዩ ብፍጹም ሃንደበታዊ እማመ ምኽንያቱ እቲ ካልእ ወገን ኣብ ዓደንውን የለን። ኣብ ዓደን ጸጥታዊ መሓውር የብሉን። ንመዓርፎ ነፈርቲ ዓደን ኣይቆጻጸሮን እዩ ግዝኣት ዓደን ኻልእ ኣካልዩ ዝቆጻጸኦ ዘሎ።
ዋና ጸሓፊ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ንክልቲኦም ኣካላት እንቋዕ ኣሓጎሰኩም ዝበሎም ኮይኑ ብዛዕባ ስርዓተ ፖለቲካዊ ዘተ ኣብ ዝመጽእ ዙርያ ዘተ ሰላም ክዝረበሉ ምኹኑን ንዝመጽእ ጥሪ ከምዝግበርን ገሊጹ።






