- ብዛዕባ ኣብ ከባብየይ ዝርከቡ ባህላውያን ወነንቲ ብኸመይ እፈልጥ?
- ምስ ደቀባት ኣውስትራሊያውያን ብኸመይ ርክብ እጅምር?
- ብዛዕባ ኣቦርጂናውያንን ቶረስ ስትረይት ኣይላንደራት ዝምልከት እሙን ሓበሬታ ካበይ እረክብ?
- ኣብ ኣውስትራሊያ ዝግበሩ ናይ ደቀባት ፍጻመታትን ዝኽርታትን እንታይ እዮም?
- ከመይ ኢለ ጥዑይ መሓዛ ቀኣሞት ህዝብታት ክኸውን እኽእል?
- ምስ ሓደ ወደባት ኣብዝገብሮ ዝርርብ ጌጋ ዘረባ እንትተዛረብኩ ኸ?
ኣብ ኣውስትራሊያ ንዝነብር ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ ብዙሕነት ባህልታት ደቀባትን ማሕበረሰባትን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ ትብል ናይ the Healing Foundation ኣካያዲት ጓል ያዉሩ ሰበይቲ ሻናን ዶድሰን ።
" ሓደ ዓይነት ባህሊ ጥራይ ከም ዘይኰነ ምግንዛብ የድሊ ። ኣብ መላእ ሃገር ኣማኢት ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኣለዉ ።
ብዛዕባ እዚ ዕቤት እዚ ንርእስኻ ኽትምህራ ምኽኣልካ እውን ፡ ብሓቂ ኣገዳሲ ኰይኑ ይስምዓኒ "በለት ።

ናይ ኣቦርጂንን ቶረስ ስትሪት ኣይላንደራት ኣውስትራሊያ ብብዙሕ ዝተፈላለዩን ፍሉያትን ጉጅለታት ዝቖመ እዩ ። ምስ ከባቢኻ ማሕበረሰብ ርክባት ምፍታንን ምርኻብን ኣገዳሲ እዩ ትብል ሚስ ዶድሰን ። ግናኸ ፡ ኣብ ኣየናይ ሃገር ከም እትነብር ክትፈልጥ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ ?
"ኣበይ ከም እትነብርን ኣበየናይ ሃገር ከም ዘለኻን ምርዳእ ።
"ኣብዚ ግዜ እዚ ፡ ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ባህላውያን ወነንቲ መሬት መን ምዃኖም ምፍላጥ ኣዝዩ ቀሊል እዩ" በለት ።
ንካርታ ናይ ደቀባት ኣውስትራሊያ ከምኡ "ውን ኣብ ከባቢኻ ርከቡ ዓቀብቲ ባህሊ ብምርኣይ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ Australian Institute of Aboriginal and Torres Strait Islander Studies ብጽሑ።
ብዛዕባ ጉዳያት ደቀባት ንምድጋፍን ምስ ሰባት ንምርኻብን ኣጋጣሚታት ትደልዪ እንተ ኣሊኻ ፣ ኣብ ከባቢኻ ጥራይ ድለ ።
"ምስ ናይ ኣብ ከባቢኹም ዝርከቡ ትካላት ኣቦርጂን ከመይ ጌርኩም ብዝበለጸ ክትቀራረቡ ከምትኽእሉ ዳህስሱ ።
"ዝኾነ ይኹን ብወለንታ ዝዕየ ፡ ዝኾነ ደገፍ ንምግባር ፡ ወይ ምስ መዛኑኻን ኣባላት ስድራ ቤትካን ሓበሬታ ንምክፋል ክኸውን ይኽእል'ዩ ።"
ነቲ ናብ መምሕድዳር ግዝኣትካ ወይ ተሪቶርሪ ዘሎ ኣብ ምንዳይ ብምጽባብ ንከባቢኻ ብዛዕባ ዝምልከቱ ጉዳያት ደቀባት ምፍላጥ ትኽእል ።

ብኦንላይን ክትረኽቦ እትኽእል ብዙሕ ዘተኣማምን ሓበሬታ ኣሎ ።
ሚስ ዶድሰን ፡ ብደረጃ ሃገር ሰለስተ መርበብ ሓበሬታ ከም መበገሲ ትመክር፦
- The Healing Foundation,፥ ብዛዕባ ታሪኽ ምምንዛዕ ህጻናት ክብ ወለዶም ፡ ከምኡ "ውን ብዛዕባ ኣብ ከባቢ ኣቦርጂናውያንን ቶረስ ስትረይት ኣይላንደር ማሕበረሰባት ዘሎ ቀጻሊ ጽልዋ ንምፍላጥ ።
- The Australian Institute of Aboriginal and Torres Strait Islander Studies, ሓበሬታ ብዛዕባ ከባብያዊ ከባቢታትን ባህላዊ ትውፊታትን ፡ ብዛዕባ ቋንቋን ባህልን ፡ ከምኡ 'ውን ታሪኻዊ መዛግብቲ ።
- Reconciliation Australia ብዛዕባ ኣብ ኣውስትራሊያ ዘሎ መስርሕ ዕርቂ መረዳእታ ንምርካብ።
ብ ደቀባት ዝምርሑ ኣጋጣሚታት ምኽፋል ምስ ቀዳሞት ባህልታትን ማሕበረሰባትን ህዝብታት ምስታፍ ብኸመይ ከም እትጽመድ እውን ከጠቓልል ይኽእል እዩ ።
"ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ምምሕዳር ግዝኣታትን ተሪቶሪታትን ንምግዋር ብዙሕ ጽቡቕ ኣጋጣሚታት ኣሎ" ትብል ሚስ ዶድሰን ።
ን ኣብነት ጽምብል National NAIDOC Week ዓመታዊ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ ወርሒ ሓምለ ዝግበር ጽምብል እዩ።
The National Reconciliation Week, ካብ 27 ግንቦት ክሳብ 3 ሰነ ዝግበር ኮይኑ ነቲ ናይ 1967 referendum ዝኽሪ እዩ። ከም ኡውን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲi Mabo ዉሳነ ዓመታዊ ዝዝጅከረሉ እዩ።
ዓመታዊ በዓል ንደቀባት ኣውስትራሊያ ናይ ይቕረታ መዓልቲ ኣብ 13 ለካቲት ዝዝከር ኮይኑ ንዕ ኡ ሲዒቡ ኣብ 26 ግንቦት ድማ National Sorry Day, ይዝከር።
ክልቲኦም ነቲ ብ ካብ መፋርቕ 1800 ክሳዕ 1980ታት ካብ ስድራቤቶም ብሓይሊ ዝተፈጸመ ስርቂ ቆልዑ ኣቦርጂንንቶረስ ስትረስ ኣልያልደራትን ኣፍልጦ ይህቡሉ እዮም ።
"ኸም ሃገር መጠን ነቶም በዚ ፖሊሲታት እዚ እተወጽዑ ሰባት ኣኽብሮት ንኸተርእዮም እትእከበሉ ኣጋጣሚ እዩ ።
ብተወሳኺውን ነቲ ብዙሓት ማሕበረሰብ ዘጋጥሞም ዘሎ ቀጻሊ በሰላ ንምርዳእ ዝሕግዝ እዩ " ።

ምስ ደቀባት ኣውስትራልያ ኽትጽመድ ኣጋጣሚታት ኣብትደልየሉ፡ ንኣቀራርባኻ ኽትሓስበሉ ኣሎካ ።
"ኣኽብሮት ዘለዎ መሓዛ ወይ ዝያዳ ክርዳእ ከም ዝደሊ ሰብ : ብኽፉት ኣእምሮ ምስማዕ: መሪሕካ ዘይኮነ ጎኒ ንጎኒ ምጉዓዝ : ከምኡውን ንድምጽታት ደቀባት ብዝመረጽዎን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ብዝኾነን መገዲ ብኸመይ ከም እተጕልሖ ምሕሳብ ማለት እዩ ።"
ሚስ ዶድሰን ብኸመይ ከም እትጅምር ሓደ ምኽሪ ተካፍል፥
"ብኽፉት ልብን ብኽፉት ኣእምሮን... ቅረቦም ።
"ማሕበረሰባትና ጽቡቕ ኣቀባብላ እዮም ዝገብሩ ፡ ብዛዕባ መንነትና ፡ ታሪኽና ፡ ባህልና ከነካፍል ንደሊ ኢና ።"

ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝጸንሐ ባህሊታት ምፍላጥን ነቲ ብድሕሪ ናይ መግዛእቲ ታሪኽ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ርድኢት ምፍላጥን ግዜን ጻዕርን ይሓትት ።
ሓደ ሓደ ግዜ ፡ ካብ ደቀባት ወጻኢ ዝመጹ ሰባት ፡ "ጌጋ ከይትገብር ወይ ጌጋ ከይትዛረብ" ዝብል ፍርሒ ከም ዘለዎም ርዱእ እዩ ።
"እዚ ፍርሒ እዚ ግና ፡ ሰባት ንኸይቀርቡ ኺዓግቶም ዘለዎ ኣይመስለንን ።
"ኵሉ እቲ ነጥቢ ጋህዲ ክከውን ስለዘለዎ ፡ ሕቶታት ሕተት ። ብዙሓት ሰባት ከኣ ነዚ ብኣኽብሮት ብኸመይ ከም ዝገብርዎ ይፈልጡ ዮም። "
Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.
Do you have any questions or topic ideas? Send us an email to australiaexplained@sbs.com.au












