SKIP TO MAIN CONTENT

ሰልፊ ZANU-PF ‘ካብ ስልጣንካ ውረድ’ ይብሎ፡ ሮበርት ሙጋበ ድማ ‘ኣይፋለይን’ ይብል።

Mugabe
President Robert Mugabe televised address (AAP) Source: AAP

ሮበርት ሙጋበ ብተለቪዢን ንህዝቢ ዙምባብወ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ኣብቲ ኣብ ነሓሰ ዝግበር ናይ ሰልፉ ጉባኤ ባዕሉ ከምዝመርሖ ገሊጹ። በቲ ናቲ ሰልፊ ዝኾነ ZANU-PF ፣ ካብ ስልጣኑ ክወርድን ነዚ ንምግባር ናይ ጊዜ ገደብ ኣንተተገብረሉ ኣኳ፡ እቲ ናይ ሙጋቤ ዘረባ መጻኢኡ ኣንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ንሰባት መሊሱ ኣብ ምድንጋር ኣእትይዎም ይርከብ።


Published

By SBS Tigrinya

Source: SBS



Skip to podcast episode content

ሮበርት ሙጋበ ብተለቪዢን ንህዝቢ ዙምባብወ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ኣብቲ ኣብ ነሓሰ ዝግበር ናይ ሰልፉ ጉባኤ ባዕሉ ከምዝመርሖ ገሊጹ። በቲ ናቲ ሰልፊ ዝኾነ ZANU-PF ፣ ካብ ስልጣኑ ክወርድን ነዚ ንምግባር ናይ ጊዜ ገደብ ኣንተተገብረሉ ኣኳ፡ እቲ ናይ ሙጋቤ ዘረባ መጻኢኡ ኣንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ንሰባት መሊሱ ኣብ ምድንጋር ኣእትይዎም ይርከብ።


ሮበርት ሙጋበ ብቐሊሉ ስልጣኑ ዝሓድግ ሰብ ኣይኮነን።

ንዙምባብወ ልዕሊ 30 ዓመት ኣንተመርሐ ኣኳ ኣቲ ዝመርሖ ሰልፊ ZANU-PF ድሕሪ ደጊም መራሒና ኣይኮንካን ኢሉ ኣንተነገሮ ኣኳ፡ ኣቲ ወዲ 93 ዓመት ሽማግለ ሰብኣይ ስልጣኑ ከምዘይሓድግ ኣዩ ኣሚቱ ዘሎ።

ሚስተር ሙጋበ ኣብቲ ናይቲ ሃገር ተለቪዢን, ቀሪቡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ምንቅስቓስ ኣፍልጦ ሂብሉ ኣዩ።

"ኣብዚ ሰልፊ ብዙሕ ምልውዋጥ ከምተራኣየ ኣፈልጥ’የ። ወይ’ውን ዉልቀ ሰባት ብስም ኣዚ ሰልፊ ቀዳሞት ኮይኖም ክረኣዩ ዝደልዩ ተፈጺሙ ኣሎ፡፣ ዉድቀት ናይ ዝሓለፉ ነገራት ኣብግምት ኣእቲኻ ኣብዚ ሰልፊ ሓርቖት ክኽሰቱ ርዱእ ኣዩ።

ኣንተኾነ ይብል ሚስተር ሙጋቢ ጸገም ናይዚ ሃገር ብሓርቖትን ብጽልእን ኣይፍታሕንዩ።

"ሎሚ ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብዝተገብረ ርክብ ብሓባር ንሃገራና ናብ ንቡር ኩነታት ክንመልሳ መስርሕ ክጅመር ተረዳዲኣና ኢና። በዚ ድማ ህዝቢና ብዘይ ዕንቅፋትን ኣብ ሰላማዊ ሃዋሁው ናብ ሰስርሑ ክቕጽል፡ ቅድሚ ንመጻኢ ዘየድሊ ነገር ምብጻሑ ሕግን ስረዓትን ክሕሎን ምርግጋጽ ኣድላዩ ኣዩ።

ብጀነራላት ተኸቢቡ ኣብ ተለቪዥን ዝቐረበ ሮበርት ሙጋበ ብዛዕባ ናቱ መጻኢ ኣይተዛረበን ኣኳ ደኣ ኣብ ታሕሳስ ዝግበር ናይ ሰልፊ ZANU-PF' ኣኼባ ንሱ ከምዝመርሖዩ ገሊጹ፡፣

ነቲ ናቱ ዘረባ ዝከታተሉ ዝነበሩ ኣማኢት ኣሻሓት ስላማዊ ሰልፊ ዝገብሩ ዝነበሩ ዘረባኡ ኣስደሚምዎምዩ።

ገለ ካብቶም ዘረባ ሙጋቤ ዘቖጠዖም ሰባት

"ንሕና ኣቲ ፕረሲደንት ክብሎ ዝተጸበናዮ ‘ትማሊ ኣቲ ናታትኩም ሕቶ ሰሚዐዮ ኣለኹ ስለዚ ካብስልጣነይ ክወርድ ድልው ኣሎኹ ዝብልዩ።’ ኣሰልቻውን ነዊሕን ፍረ ኣልቦ ዘረባኡ ኣይኮናን ተጸቢና፡፣  ኣቲ ፈውሲ ቀሊል’ዩ ነይሩ ንሱ ድማ ‘ወሪደ ኣለኹ ኣዛ ሃገር ንካልእ ሰብ ኣረኪበያ ኣለኹ’ ዝብል’ዩ ክከውን ዝነበሮ፡፣

ብዙሓት መሓዙቱ ገዲፎሞ ድሕሪ  ምውጻኦምን ገሊኦም ድማ ካብቲ ሰልፊ ምግላፎምን ምኣሳሮምን፡ እዚ ኣብ ዓለም ብዕድመ ዝዓበየ መራሒ ብ 15 ሕዳር’ዩ ብሰራዊት ኣታ ሃገር ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ኣትዩ ዝርከብ።

ኣቲ ማኣሰርቲን ካብ ስልጣን ምውጻእ ሓለፍቲ ናይቲ ሰልፊ ዘጋጠመ ኣቲ ፕረሲደንት ንሰበይቱ ግሬስ ሙጋበ ንስልጣኑ ክትርከብ ነገራት ከመዓራሪየላ ምስጀመረ ኣዩ።

ብቐዳም 18 ሕዳር ኣሻሃት ዙምባብያዊያን ናብ ጽርጊያታት ሃራረ ወጺኦም መወዳኣታ ሙጋበ ክርኣዩ ደገፎም ገሊጾም ኣዮም፡፣

ድሕሪኡ ድማ ማኣከላይ ኮሚቴ ሰልፊ  ZANU-PF' ሓዲሽ መንግስቲ ንምቛም መስመር ሓንጺጹ፡፣

ን ኦረሲደንት ሮበርት ሙጋበ ድማ  ክሳብ ሰኑይ ብናይቲ ዓዲ ኣቆጻጽራ ሰዓት 10 ስልጣኑ ክሓድግ ናይ ጊዜ ገደብ ኣውጺኡሉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ዉሽጢ  Obert Moses Mpofu ከምዝበሎ ንሳቶም ንስሚዒት ህዝቢ ኣዮም ዝከታተሉ ዘለዉ።

"ሓይሊታትና ዝገበርዎ ንመላእ ሃገረ ዚምባብወ ጥራይ ኣይኮኑን ነጻ ገይሮማ፡ ንክቡር ሙጋቤ ካብቶም ነዛ ሃገር ከዕንዉ ዝደሊዩ ሰባት ማኣሰርቲ እዮም ኣውጺኦሞ፡፣ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት በዓልቲ ቤቱን ናይ ቀረባ ተሓባበርታን ነቲ ናቱ ኣርጋን ክጥቀምሉ ኣዮም ፈቲኖም። ህዝቢ ዚምባብወ ግና ተዛሪቡ ኣሎ።

ኩነታት ከምቲ ዝግባኣ ኣንተኸይዱ ንቲ ስልጣን ፕረሲደንትነት ናይ ቀደም ምክትል ፕረሲደንት  Emmerson Mnangagwa  ክርከቦ ኣዩ ኣቲ ትጽቢት ዘሎ፡፣

ንሱ ብ Mr Mugabe ካብስልጣኑ ምስተኣልየ እዩ ወተሃደራዊ ዕልዋ ዝሰዓበ።

 


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now