SKIP TO MAIN CONTENT

ሮበርት ሙጋበ ዕረ እናጠዓሞ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

Celebrations on the streets of Harare, Zimbabwe (AAP)
Celebrations on the streets of Harare, Zimbabwe Source: AAP

እቲ ን 37 ዓመታት ንዚምባብወ ክመርሓ ዝጸንሐ ሮበርት ሙጋበ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ። ነዚ ክውስን ዘገደዶ ምኽንያት ናይቲ ሃገር ፓርላማ ኣንጻር እቲ ወዲ 93 ዓመት ፕረሲደንት ነበር ብሕጊ ክተሓሓዞ ምስጅመረ እዩ። ነዚ ዝሰምዐ ህዝቢ ኣብ ጎደናታት ሃራረ ወጺኡ ሓጎሱ ክገልጽ ሓዲሩ።


Published

By SBS Tigrinya

Source: SBS



Skip to podcast episode content

እቲ ን 37 ዓመታት ንዚምባብወ ክመርሓ ዝጸንሐ ሮበርት ሙጋበ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ። ነዚ ክውስን ዘገደዶ ምኽንያት ናይቲ ሃገር ፓርላማ ኣንጻር እቲ ወዲ 93 ዓመት ፕረሲደንት ነበር ብሕጊ ክተሓሓዞ ምስጅመረ እዩ። ነዚ ዝሰምዐ ህዝቢ ኣብ ጎደናታት ሃራረ ወጺኡ ሓጎሱ ክገልጽ ሓዲሩ።


ዜና ናይቲ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝተገደደ ሮበርት  ሙጋበ ' ዝሰምዐ ህዝቢ ከዐልልን ክድንስን ክደርፍን’ዩ ሓዲሩ።

  ኣፈኛ ፓርላማ ዚምባብወ, Jacon Mudenda, ኣብ ክንዲ ሙጋበ ኮይኑ እቲ ንሱ ዘቕረቦ ናይ ስልጣን ምልቃቕ ደብዳበ ኣንቢብዎ።

 ኣነ  ሮበርት ገብሬኤል ሙጋበ , ብመሰረትዓንቀጽ 96, ንኡስክፍሊ 1 ቅዋምዚምባብወመሰረት, ብወግዒካብስልጣንፕረሲደንትናይሪፑብሊክ ዚምባብወ, ብህጹጽይሓድግኣለኹ።ዉሳነይብወለንታይንካብድሕነትህዝቢዚምባብወዝብገስእዩ፡፣ብተወሳኺሰላማዊንጎነጽዘይተሓወሶምስግጋርስልጣንኣብዚምባብወክርጋገጽካብዘለኒድልየትእዩ።

 በዚ ድማ እቲ ናይ, 37 ስልጣን  ሮበርት  ሙጋበ ኣብቂዑ, እዚ ዝኾነ ሰራዊት ዚምባብወ ነታ ሀገር ተቖጻጺሩ ንሙጋበ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ምስ ኣእተዎ እዩ።

 እቲ ወዲ 93-ዓመት ሙጋበ ንምክትሉ ዝነበረ ካብ ስልጣን ምስ ኣለዮ፡ ካብ መዝነቱ ክወርድ ከድሓርሕርዩ ቀኒዩ፡ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ድማ ካብ ስልጣኑ ፈጺሙ ከምዘይወርድ ብተለቪዥን ምስገለጸ፡ ኣሻሓት ዚምባብያዊያን ናብ ጽርግያታት ወጺኦም ኣንጻር እቲ ፕረሲደንት ነበር ተቓዉሞኣም ከስም ዖኡ ምስቀነዩ  ፓርላማ ናብ ሕጊ ከቕርቦ መስርሕ ጀሚሩ

 እታ ሃገር ኣብ 1980 እያ ብመሪሕነት ሮበርት ሙጋበ ካብ ብሪጣኒያ ካብ ባርነት ነጻ ወጺኣ። እንተኾነ ንሱ ነታ ሃገር ከም ናይ ዉልቂ ንብረቱ ቀጺሩ ሕሉፍ ሓሊፉ ነታ ብልዕሊ 40 ዓመታት ብዕድመ ዝዓብያ ብፖለቲካ ዘይበሰለት ሰበይቱ ክትክኦ  ነገራት ክሳብ ዘጣጥሓላ እዩ ክጽበ ጸኒሑ። ናይ ብሪጣንያ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ቦሪስ ጆንሰን እዚ ናይ ሙጋበ ካብ ስልጣን ምልቃቕ ንዚምባብወ ነጥበ መቐይሮ ክኸ’ውን ተተስፍዩ።

 እዚንዚምባብወንንህዝባን  ናይተስፋእዋን  እዩ።   37 ዓመታትበዝመሽመሸስርዓትሃገሮምኣብድኽነትእያተደርቢያ ጸኒሓ።እቲሕጂተስፋንገብሮእዚነጥበመቐይሮክኸውን’ዩ።ኣብመጻኢነጻፍትሓውንደሞክራሲያዊምርጫክግበርኢናንጽበ።

 እዚ ከምዚሉ እንከሎ ናይ ኣውስትራሊያ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ Julie Bishop እቲ ኣብ ዚምባብወ ዝህሉ መሰጋገሪ መድረኽ ስክፍታኣ ትገልጽ፡፣

 ኩሎምኣካላትሰላማዊያንኮይኖምክጸንሑንብናይዚምባብወቅዋምክምርሑንንሓትት፡ኣብዚእዋንንህዝባዊጸጥታዘስግእኩነታትየለን።እንተኾነእዚጉዳይከመይከምዝምዕብልስክፍታኣለኒ።እዚንነዊሕእዋንዝጸንሐንኣውስትራሊያንካልኦትንብዛዕባዚምባብወብዕቱብክከታተላኦዝጸንሓጉዳይእዩ።

 እቲ ናይ ሓጎስ ሰሃሮ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን እቲ ዝድለ ለውጢ ክሳብ ክንደይ ከምዝበጽሕ ስክፍታኦም ዝገልጹ በዚሖም ኣለውዉ።

 Kuda Mangom ወዱ ነቲ ናይ ካቢነ ሚንስተር ናይ ተቓዋሚ ሰልፊ MDC እዩ.

 ኣቦኡ ንኩዳ, Elton Mangoma ኣብቲ ኣብ 2006 ዝተገብረ ፕረሲደንታዊ ምርጫ እዩ ተኣሲሩ።

 ንሱ ካብቲ ኣብ Melbourne ዝነብረሉ ገዛኡ ኮይኑ ነቲ ምዕባለ ካብ ዝከታተሉ ሓደ ኣዩ።

 ንሱ ብዛዕባ ንሮበርት ሙጋበ ዝትክእ ዘሎን፡ ነበር ምክትል ምክትል ፕረሲደንትን ኢመርሰን ምናንጉግዋ ዘለዎ ስክፍታ ይገልጽ።.

 "ኣብ ዓድና ሓደኣበሃህላኣለናብሓርፋፍትርጉሙድማከምዚይብል፡እቲተመንቆርበቱ’ዩቀይሩእምበርንሱእቲተመን’ዩ።ምናንጉግዋኣዚዩናይጎነጽሰብኣይ’ዩኣብዚእዋንእንተዘይኣርኣየኣብታሪኽግናብዙሕኣሎ ዝገበሮ ንሱ፡፣  ኣብታሃገርዝተራእየዝዓበየምጽናትዓሌትንሱሓደካብቀንዲወጠንቲእቲቅትለትእዩ።. እዚኮይኑግና  ሙጋበተኣሊዩ ስለዘሎብዙሕዕድላትክፈጥርእዩ።


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now