መብርሂ ቆሞስ ከሰተን ቀሺ ገብረሚካኤልን፡ ብዛዕባ ክሲ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ እንጦንዮስ፡

Source: Keshi Markos
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ 2018 ካብ ናይ ኤርትራ ቅዱስ ሲኖዶስ ብኣቡነ ሉቃስን ኣቡነ ቄርሎስን ዚምራሕ ልኡኽ፡ ኣብ ኣውሮጳ ዑደት ኣካይዱ ነይሩ። ኣብቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝርከባ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝገበርዎ ርክባት፡ ብዙሕ ሕቶታት ክቐርበሎም ቀንዩ። ብፍላይ ብተደጋጋሚ ንሃለዋት ኣቡነ እንጦንዮስ ዝምልከት ሕቶታት ተሓቲቶም መሊሶም። ንመልሲ ኣቡነ ሉቃስ ስዒቡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከብ ሲኖዶስ ካብ ዝመርሑ፡ ቆሞስ ከሰተ ብርሃንን ሊቀ ካህናት ገብረሚካኤልን ዮሃንስ ዝሃብዎ መልሲ ቀሪቡ ኣሎ። ኣቡነ ኣንጦንዮስ ምስ ተሃድሶ ሕብረት ኣለዎም ድዮም? ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብክሕደት ወልድ ዋህድ ይኽሰሱ ድዮም? ንልዕሊ 300 መናፍቓን ዲቁናን ክህነትን ዓዲሎም? ኣብያተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ሓደ ሲኖዶስ ክኾና መደብ ኣሎ ድዩ?
Share