SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፈኛታት ተኲሲ ተኸፊቱ ሰላማዊያንን ሓደ ወተሃደርን ተቐቲሎም።

እቲ ብሓይልታት ፈጣናት ደገፍ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣዛዚኡ ድማ ምክትል ናይቲ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶ ኮይኑ ዘሎ ሚሸት ኣብ ጽርግያታት ካርቱም ጸጥታ ንምኽባርን ንሰልፈኛታት ንምብታን ናይ ዘንብዕ ጋዝን ጥይትን ተዂሲ ከምዝኸፈተ እዩ ተፈሊጡ ዘሎ።

Sudan protest
Source: Reuters

2 min read

Published

Updated

Source: Al-Jazeera


Skip to article content

ትማሊ ተዂሲ ዝኸፍተን ሰባት ክቕተሉ ዝገበረ  እቲ ንሱዳን ዝመርሓ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርዓት ከምዝኾነ ሰላማዊ ሰልፈኛታት ሱዳን ከሲሶም

እዚ ኣብ ሱዳን ዳግም ዝተወለዐ ደማዊ ናይ ጽርግያ መጥቃዕቲ እቲ ንሱዳን ክመርሓ ስልጣን ሒዙ ዝርከብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ተሓታቲ ከምዝኾነን ነጻ መርማሪ ኣካል ክቐውም ናይ ሱዳን ተቓዋሚ ልፍንቲ ከምዝገለጸ ኣልጀዚራ ጸብጺቡ።

ትማሊ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ  ባይቶን ተቓዋሚ ሓይሊታት ኣዋጅ ነጻነትን ለውጢን (DFCF) ብዛዕባቲ መሰጋገሪ መድረኽ ከፊላዊ ስምምዕ ጌርና ኣብ ዝበልሉ እዩ ትማሊ  ኣብ ኣፍደገ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣብ ካርቱም ዝነበረ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊን ዝሰዓበ ተዂሲ ኣርባዕተ ሰባት ከምተቐትሉን ዓሰርተታት ሰባት ከምዝቖሰሉን ተገሊጹ ዘሎ።

ኣብቲ ናይ ሰኑይ ፍጻመ ሓደ ኣባል ወተሃደራዊ ፖሊን ሰለስተ ሰላማዊ ሰልፈኛታትን ከምተቐትሉ ናይ ሱዳን ተለቪዥን ጸብጺቡ ኣሎ። እቲ ብዶክተራት ዝምራሕ ናይ ተቓዉሞ ኮሚተ ነቲ ጉዳይ ምስ ኣጻረየ እዩ እቲ ብዝሒ ሞት ካብ ሽዱሽተ ናብ ኣርባዕተ ኣውሪድዎ ዘሎ።

እቲ ብሓይልታት ፈጣናት ደገፍ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣዛዚኡ ድማ ምክትል ናይቲ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶ ኮይኑ ዘሎ ሚሸት ኣብ ጽርግያታት ካርቱም ጸጥታ ንምኽባርን ንሰልፈኛታት ንምብታን ናይ ዘንብዕ ጋዝን ጥይትን ተዂሲ ከምዝኸፈተ እዩ ተፈሊጡ ዘሎ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ እቲ ካብስልጣኑ ዝተዓልወ ዑመር ኣልበሺር ብቅትለት ሰላማዊ ሰልፈኛታት ተኸሲሱ ኣሎ።

ሰልፈኛታት ናብ ሎሚ ዘውግሐውን ጽርግያታት ብምዕጻው ተቓዉሞኦም ቀጺሎም ከምዘለዉ ሮይተርስ ካብቲ ቦታ ጸብጺቡ ኣሎ፡፤


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now