ፕሮፌሰር ዓወት ወልደሚካኤል ኣብ ኲንስ ዩኒቨርሲቲ፡ ካናዳ፡ መምህር ታሪኽን አብ ፖለቲካን ጸጥታን ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ መጽናዕቲ ዘካይድን'ዩ። ንጽልዋ ለበዳ ኪቪድ19ን ኣንጻሩ ዝካየድ ቃልሲን ኣብ ልዕሊ ተቐባልነት መራሕቲ ዓለምን ስርዓታቶምን ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ በርገሳዊ ምንቅስቓሳትን ሞያዊ ማሕበራትን ዝፈጠሮ ኩነታት ትንተና ሂቡ ኣሎ። ጽሟቕ ትሕዝቶኡ ብጽሑፍ ቀሪቡ ኣሎ።
ጽልዋ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ማሕበረ- ቁጠባዊን ፖለቲካዊን
ብሞያዊያን ሰብ መዚን ብዝተወሰነ ናይ ዉሸባ ፖሊሲታት፡ ናብ ስርሑ ከምቲ ቀደም ስለዘይከይድ ዘሎ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ከቢድ ጽልዋ ከምዘሕድር ሰብ ሞያ ይጠቕሱ ኣለዉ። ካብ ቻይና ጀሚርካ ክሳብ ኣመሪካ ዓበይቲ ቆጠባ ዓለም ሃንደበት ደው ኢሉ ብዙሕ ሽቕለት ኣልቦነት ኣስዒቡ ኣሎ። ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም በዓል ኤርትራ ኢትዮጵያ ጽልዋኡ ዝሓየለ ክኸውን ከምዝኽእል ርዱእ’ዩ። ምኽንያቱ ንዕለታዊ ድራር እለቱ ዝኾኖ ማእሪሩ ዝሓድር ህዝቢ ስለዝኾነ፡ ንኣዋርሕ ኣይኮነን ንመዓልቲታት’ውን ጠጠው እንተቢልካዮ ጽልዋኡ ሓያል ክኸውን እዩ።
ኣብ ከባቢና እቲ ቅሩብ ዘሎ ዕድል፡ ቀዲምናዮ ኣላዪ ስጉምቲ ክውሰድ ዝኽእል ኩነታት ኣሎ። ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝላባዕ ዘሎ ገና ኣብ ምትኳስ ስለዘይበጽሐ እዘን ሃገራት ኣቐዲመን እንተተዳሊየንን ባይታ ኣንጺፈን እንተጸኒሐን ነቲ ዝኸፍአ ዝበሃል ሳዕቤኑ ክገትኣኦ ይኽእላ እየን። እንተኾነ ድልዉነተንን ቅሩብነተትንን ወሳኒ እዩ።
ኣብ ኣፍሪቃ ኣተሓሕዛን ግብረመልሲን ከመይ ኣሎ፧
ኩለን ሃገራት ነናይ ገዛእ ርእሰን ኣካይዳ ስለዘለወን ንኹለን ብሓደ መለክዒ ክትልክዐን ኣይትኽእልን። ካብኡ ናብኡ ከም ናይ በዓል ደቡብ ኮርያ ግብረ መልሲ ነቲ ዝተፈጥረ ምልባዕ ዕዉት ከምዝነበረ እቲ ውጽኢት ይምስክር ኣሎ። ካብቶም ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝገበራ ከምናይ በዓል ኣመሪካ ዝበላ ሃገራት ከም ኣብነት ይጥቀሳ።
ኣብ ኣተሓሕዛ እዚ ጉዳይ፡ መሰረታዊ ናይ ሃብትን ትሕዝቶን ዘይኮነስ ናይ ፖሊስን ብቕዓት ኣመሓዳድራን እዩ። ንኣብነት ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ “ወርሒ ሙቐት ምስመጸ ከም ሰዓል ክጠፍእ እዩ፡ ድሕሪ ቅሩብ እዋናት ክንቁጻጸሮን ኢና።” ክብል ጸኒሑ ሰዓብቱውን ንዕኡ ሲዒቦም ሸለል ክብልዎ ጸኒሖ። ኣብዚ እዋን ኣመሪካ እቲ ዝለዓለ ናይ ኮሮና ቫይረስ ለበዳ ናይ ዓለም ኣብ ቀዳምነት ተሰሪዓ ትርከብ ኣላ። እዚ ሕጂ ድኹም ወይ ዘይቑዕ መሪሕነት ዉጽኢት’ዩ። ኣመሪካ ትኣክል ምስዚ ኹሉ ሓይላን ቁጠባኣን ሰኣን ንጹር ናይ ፖሊሲ መረዳእታን ሰኣን ንሞያዊያን ምስማዕ እዚ ሕጂ ኮይኑ ዘሎ ክፍጠር ኪኢሉ።
ናብ ኣፍሪቃ ምስ ንመጽእ ብፍላይ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሃገራት ከም ናይ ኡጋንዳ ፕረሲደንት ዩወሪ ሙሴ ቨኒን ናይ ርዋንዳ ፕረ ፖል ካጋመን ከምኡውን ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንኪኢላታት ብምውካስ ዝወሰድዎ ስጉምቲ፡ ካብ መጀመሪያ ንህዝቦም ክሕብሩን ንህዝቦም ብኽፉት ክኣሊዩን ሞራል ክህቡን ዝወሰድዎ ስጉምቲ ዝነኣድ ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ምስቲ ን ልዕሊ 30 ዓመት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ናይ ኡጋንዳ ሙሴ ቨኒን ምስቲ ናይ ኣርባዓታት ዕድመ ዘለዎ ዶ/ር ኣብይን፡ ቅድሚዚ ለበዳ ምምጽኡ ከመይ ከምዝነበረ ኩነታቶም ብዘየገደስ ከም መራሕቲ ኣብ እዋን ሓደጋ እንታይ ክግበር ከም ዝክኣል ብቕዓቶም ኣርእዮም።
ኣብ ግዜ ሓደጋታት ብሉጻት መራሕቲ ይወጹ’ዮም። ንኹሉ ድኽመታቶም ኣጽኒሕካ ነዚ ለበዳዚ ከም ዓቢ ዓለማዊ ሓደጋ ምዃኑ ተረዲኦም ብዓቕሞም ብቕዓቶም የንጸባርቁ ኣለዉ።
ብ ኣንጻሩ ናይ ኤርትራ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣይኮነንዶ ንሞያዊያን ተወኪሱ ብፍልጠት ዝተሰነየ ሓበሬታ ክህብ ንህዝቡ ሞራል ክህብን ምድልዋትን ክገብር ፡ ኣበይ ከምዘሎ’ውን ኣይፍለጥን እዩ። ንረኽቦ ዘለና ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ኣሽንኳይዶ ባዕሉ ነዚ ጉዳይ ክመርሕ፡ ሚኒስተራቱን ቀረቡን ክረኽብዎ ከምዘይክእሉዩ እቲ ሓበሬታ ዘሎ። እቲ ካብ ሓደ መራሒ ትጽበዮ ነገር ዘይገብር ኣብ ዞባና ዘሕፍር መራሒ’ዩ ኮይኑ ዘሎ።
ብመንጽር ደሞክራሲያዊ ስርዓት ብቅድሙ’ውን እዞም ስርዓታት ናይ ሕጊ ገደብ ኣይነበሮምን፡ ግን ነቲ ገደብ ኣልቦ ኣብ ግዜ ቅልውላው ብኸመይ ተጠቒሞሙሉ እዩ እቲ ሕቶ። ንኣብነት ህዝቢ ርዋንዳ ካብ ገዛኡ ከይወጽእ ተኣዚዙ እንተኾነ ሰራዊት ርዋንዳ ንህዝቢ ገዛ ንገዛ እናኸዱ ምግቢ ክዕድሉ ተኣዚዞም ኣለዉ። ፕረሲደንትሙሴ ቨኒ ን ሻውዓይ ግዜ ናብ ህዝቢ ወጺኡ፡ ኡጋንዳ በቲ ዓቕማ በጺሓቶ ዘላ ነገራት ክሕብር ተራእዩ። ኣብ ድሕሪኡ ሞያዊያን ኣኸቲሉ እቲ ዝግበር ዘሎ ስጉምቲታት ንህዝቡ ይሕብር ኣሎ። ብሳልሳይ ደረጃ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ ብኢትዮጵያ ደረጃ ጥራይ ዘይኮነስ ብኣፍሪቃ ደረጃ ዝጠለቦ ሓገዝ ካብ ቻይናዊ ሃብታም ቻክ ማን፡ ኢትዮጵያ ከም ቀንዲ መበጻጽሒት ኮይና ንሃገራት ሓገዛት ተበጻጽሕ ኣላ። ንኣለቃሕቲ ናይ ዓለም ትካላትን ባንኪታትን፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ዕዳአን ክሰረዘለን፡ ነቲ ዕዳ ዝኸፍላኦ ንጥዕና ከውዕሎኦ ሓያል ደብዳበ ብሽም ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ጽሒፉ። እዚ ብቕዓት መሪሕነቱ እዩ ዘርእየካ።
እዚዩ ኣብ ኤርትራ ቦኺሩ ዘሎ፡ እንተገደደ ሚኒስትራቱ ብቐጥታ እናብረኸብዎ መምርሒታት ውን ክህብ ኣይከኣለን። ናይ ጂቡቲ ዑመር ገለ’ኸ ኣበይ ኣሎ፧ ብ ኣንጻሩ እቶም ሕጂ ናብ ስልጣን ዝመጹ ናይ ሱዳን መራሕቲ መሰጋጋሪ ከም በዓል ዶ/ር ዓብደል ንህዝቡ በብግዚኡ ሓበሬታት ኣብ ምሃብ ይርከብ ኣሎ።

ድኻታት ሃገራት እኹል ቀረብ ኣብ ዘይብሉ ኩሉ ክትዓጽዎ ኣጸጋሚ እዩ፡ እዚ ከመይ ክኸውን’ዩ፧
ጨፍላቒ ዓቕሚ ናይ መንግስቲ ርዋንዳን ናይ ኣቢይ መንግስቲ ኣብይ ናይ ምቁጽጻር ዓቕሚ ይፈላለ እዩ። ኣብ ርዋንዳ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዝጸንሐ ጸቕቲ ክንርእዮ ንኽእል ኢና፡ ሕጂ ግና እዚ ኩነታት ምስመጸ ንኹላትና ምዉሻብ ጽቡቕዩ ተባሂሉ፡ ህዝቢ ኣብ ገዛኻ ኮይንካ ተወሸብ፡ ከይትጠሚ ድማ ሰራዊት ክቕልበካ’ዩ ዝብሎ ዘሎ።
እዚ ናይ ቀ/ሚ ኣቢይ መንግስቲ ብዝነበረ ናዕቢ ተሓንጊሩ ናብ ስልጣን ዝመጸ ብምዃኑ፡ ናዕቢ እንተስዒቡ ክቖጻጸሮ ዓቕሚ ከይህልዎ ይኽእል እዩ። ምጭፍላቕ እንተድሊዩውን ከምቲ ናይ ካጋመ ዓቕሚ የብሉን፡ ስለዚ ንሚሊዮናት ህዝቢ ኣዲስ ኣበባ ክትዓጽዎ ሎጂስቲካዊ ዓቕሚ ኣይፈቅድን እዩ ስለዚ ካልእ ኣማራጺ ክደሊዩ ኣለዎም።
ናብ ህዝቢ ኤርትራ ምስ እንመጽእ፡ ህዝቢና ተማእዛዝይ፡ ሕጊ ዘኽብር፡ ልቢ ዘዕቢ ህዝቢ እምበር ተምበርካኻይ ህዝቢ ኣይኮነን ዘለና። ነዚ ተጠቒሙ መንግስቲ ኤርትራ ንሃናጺ መዓላ ከውዕሎ ምተገበአ። ከምቲ ኣብ2016 -17 ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ናዕበኛ እንተዝኸውን ኔሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናዕቢ ክወስድ እንተዝኽእል እዚ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት ሎሚ ኣይምሃለወን። ስለዚ ተወሸብ ኣብ ዝበሃለሉ ክውሸብ ይግደድ ኣሎ። ካብ ገጠር ናብ ገጠር ካብ ከተማ ምንቅስቓስ የለን። እቲ በዳሂ ሕቶ ኮይኑ ዘሎ ሕጂ እቲ ህዝቢ ተዓጽዩ እንታይ ይብላዕ፧ ማሕበራዊ ኣነባብራ ህዝቢና ኣብ መዓልታዊ ዝምርኮስ እዩ። ስለዚ እንታይ ይብላዕ፧ ሓይሊታት ጸጥታን ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝወጸ ብሓይሊ ነዚ ፖሊሲታት ከተግብሩ ዝዳለዉ፡ ነዚ መምርሒታትዚ ህዝቢ ክጥሕሶ ዘገድዶ ነገራት እንታይ ምዃኑ ክምልሹ እዩ ዘለዎም። ኣብዚ ከምዚ፡ ህዝቢ ከይጠሚ መግቢ ክቐርበሉ ኣይኮነን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብድኳን ሕድሪዩ መግቢ ክገዝእ ጸኒሑ።
ህዝቢ ማይ ክሕጸብ ምስተባህሎ፡ ማይ ክፍነወሉ’ውን ኣይተኻእለን። ፕረሲደንት ኢሳያስ ክሳብ ሕጂ ማይ ንህዝቢ ክፍኖ ኣይወሰነን ዘሎ። ናይ ማይ ኩነታት፡ ከተማታት ኤርትራ ካብ ሕማቕ ናብ ዝገደደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ክሳብ ሕጂውን ኣይተፈፈትሐን። “ካብ ሓሚምካ ሕክምና ተኸላኺልካ ጥዕና” ዝብል ምኽሪ እናሰማዕና ኢና ዓቢና፡ ኣብዚ ኩነታ ህዝቢ ኤርትራ ንጎረርኡ ከልለሉ ዝኽእል፡ ጥዕናኡ ክሕለውሉ ዝኽእል ጽሩይ ማይ የብሉን። እዚ ዝኾነ ሕጽረት ማይ ስለ ዘሎ ዘይኮነስ ቡኩራት ናይ ፖሊሲ ስለዘሎ እዩ። ብኩራት ናይ ዉሳነ ስለዘሎ እዩ። እቲ ኽኸይድ ዝጸንሐ ቱቦታት ተበላሽዩ ዝብል ምኽንያት ኣየኽይድን፥ ስለምንታይ ቦጣት ተኣሲረን ኣለዋ፡ ስለምንታይ ቱቦታት ማይ ክዕረ ዘይተገብረ፧ ቱቦታት ከይዕረ ከኣ ንዓመታት ናይ መንግስቲ መመክትናያታት ኮይኑ ጸኒሑ፣ ስለዚ ብፖሊሲ ደረጃ ህዝቢ ኤርትራ ክጸምእን ኽጠምን ክደክን ጸኒሑ ኣሎ። ሕጂኸ ሰኣን ፖሊሲ በዚ ለበዳ ክዳኸም ድዩ ኣይዳኸምን፧ ህጹጽ ዉሳነ ግብረ መልሲ ዘድልዩ ጉዳይ ስለዝኾነ፡ ሎሚ ጽባሕ እቶም ወሰንቲ ኣካላት ንህዝቢ ኤርትራ ዝወርዶ ኣደራዕ ተሓተቲ እዮም ክኾኑ።
ብደገን ብውሽጢን ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ ሓገዝ ንህዝቢ ኤርትራ
ፈለማ ህግደፍን መንግስቲ ኤርትራን ንጹር ሃገር ሓቆፍ፡ ዞባ ሓቆፍ ፖሊሲ ከየስፈሩ፡ ገንዘብ ኣብ ምውጻእ እዮም ተዋፊሮም። እዚኸኣ ን 20 ዓመታት ንህዝቢ ዘዳኸመ ስራሕ እዩ። ብዘይተሓታትነት ዘይተኣደነ ገንዘብ ኣበይ ከምዝኣቱ ኣብዘይፍለጠሉ ኩነታት እዩ እዚ ዝግበር ዘሎ። ህዝብና እዚ ናይ ኮሮና ቫይረስ ገጢምዎ ኣሎ ተባሂሉ ኣዋጽእ ይበሃል ኣሎ። ኩሉ ንህዝቡ ስለዝፈቱ ኣሚኑ ድዩ ኣይኣሚኑ፡ ፈትዩ ድዩ ተገዲዱ የዋጽእ ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ኣመሪካ ልዕሊ 3 ዶላርሚሊዮን ተዋጺኡ ኢሎም ይዛረቡ ኣለዉ። ካልኦት ምንጭታት ክንድ ኡ ከምዘይተዋጽ አ ይገልጹ ኣለዉ። ሓይሊታት ምክልኻል ኤርትራ ከይተረፈ ንምክልኻል ኮሮና ቫይረስ ተባሂሉ 7 ሚሊዮ ናቕፋ ኣዋጺኡ ይበሃል ኣሎ። ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ኦርቶዶክ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ሓደ ሚልዮን ናቕፋ ኣዋጺኣ ይበሃል ኣሎ። እዚ ዝተገብረ ነተን ካልኦት ሃይማኖታዊያን ትካላት ኣዋጽኣ ኢልካ ምሽፋጥ ድዩ ምኽንያቱ ዝፍለጥ ኣይኮነን። ኦርቶዶክስ ቤት ክርስትያን ይኹን ቤት ሽሕፈት ሙፍቲ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ኣብትሕቲ ምቑጽጻር መንግስቱ ኤርትራ ምዃነን ይፍለጥ ፡ ነቲ ገንዘቦምውን ከምዝቆጻጸርዎ ንፈልጥ ኢና። ክንድዚ ኣዋጺአን ክበሃል ከሎ እምበኣር ላግጺ እዩ። እቲ ዝዓበይ ላግጺ ናይ ምክልካል እዩ። ዕድሚኦም ኣብ ምክልኻል ዝላደዩ ኣሕዋትና፡ ንባዕሎም ግቡእ ክዳንን ብግቡእ ከይተዓንንንገሉ መሰረታዊ ነገር ከይተገብረሎምን ፡ኣባላት ሓይሊታት ምክልኻል 7 ሚሊዮን ናቕፋ ኣዋጺኦም ክበሃል ምስማዕ ላግጺ እዩ።
ኣብ በዓል ደቡብ ሱዳንን ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃን ዝርከቡ ብናይ ኤርትራ ፓስፖርት ዝዛወሩ ሃብታማት፡ ነፍሲ ወከፍ 5 ሽሕ ዶላር ክኸፍሉ ይግደዱ ኣለዉ፡ ኣዚኣቶም መብዛሕትኦም ሃገር ኣብ ሓደጋ ወዲቃ ኣላ ምስተባህለ ትምህርቶምን ስርሖምን ገዲፎም ናብ ጉዳይ ሃገር ዝኣተዉ እዩም። ተገዲዶም ዘይኮኑስ ብወለንትኦም ህይወቶም ክኸፍሉ ዝተዳለዉ። ሕጂ ኣገዲድካ ክፈሉ ክትብሎም ብ ዓይኒ ሞራል ተቀባልን’ነትን ባይታ ከምዝወደቕካ ዘመልክትዩ።
በቲ ሓደ ወገን ዓቅሚ ዘለዎም ሕልና ዘለዎም ብማሕንቆ ፖሊሲ ክገብትሩ ዘይከኣሉ ወገናትውን ኣለዉ። ብዓይነት ከነበርክት ዝበሉ፡ ብገንዘብ እንተዘይኮይኑ ከተበርክቱ ኣይትኽእሉን ተባሂሎም። እዚ ብዙሕ ዓቕሚ ዘለዎም ብወለንታኦም ኣብ ኤርትራ ዘድሊ ሕክምናዊ ዓቕሚ ኣዳልዮም ዋጋታት ተዳልዩ ኣብ ዉሽጢ ሰሙናት ብናይ ገዛእ ርእሶም ቻርተርድ ነፈርቲ ሰብ ሞያን ንብረትን ከእትዉ ከምዘይብሎም ተነጊርዎም። ብዝተፈላለዩ ማሕበራት ኣብ ፈቐዶ ማዓስከራት ስደተኛታት ንዘለዉ ንሓግዞም ኢሎም ናይ ገንዘብ ምውጻእ ዝገብሩውን ኣለዉ። ኩሎም ክብገሱ ከለዉ ንህዝቦም ሓልዮም እዮም። ግን ተሓታትነትን ንጹር ፖሊስን ማሕንቆ ከይተኣልየ እቲ ሓልዮት ዘለዎ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ዓቕሚ ክሰርሑ ኣይክእሉን እዮም።
ኮሮና ቫይረስን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዘለዉ ህዝቢን
ኣብ ዝሓለፈ 19 ዓመታት መንግስቲ ኤርትራ ካብ ጌጋ ናብ ጌጋ እናገበረ ንብምልኡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሞራላዊ መንቀራቕ ኣእትይዎ ኣሎ። ኤርትራዊያን ሃገራዊያን ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ዓሰርተታት ኣሻሓት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይርከቡ ኣለዉ። ካብዚ ዉሑድ ህዝቢ ክንድዚ ዝኣክል እሱር ክህልወና ዘሰንብድ እዩ። እዚ ብሕጊ ኣብ ሞራላዊ መንቀራቕሪ ኣእትዩና ኣሎ።
እዚ ኮሮና ተወሲኽዎ ናብ ካልእ ነገር እዩ ከእትወና። ብግዝኣተ ሕጊ ዘይከዳ ከይተረፋ ሃገራት እሱራት ይፈትሓ ኣለዋ። ምእንቲ ናይ እሱራት ቁጽሪ ክውሕድ እሞ ኣብ ዉሽጢ ቤት ማእሰርቲ ክፍጠር ዝከኣል ለበዳ ንምውሓድ ተባሂሉ እሱራት ይፍትሑ ኣለዉ። ኣብዞባና ከይተረፈ ገሊኡ ብይቕረታን ብካልእ ምኽንያታት ይፈትሓ ኣለዋ። ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ኣሻሓት እሱራት፡ ዋላ ቅድሚ ኮሮና ቫይረስ እኹል ናይ መግቢ ቀረባት ዘይብሉ ንጸላኢኻ’ውን ዘይትምነትየሉ ዘሰክሕ ኣተሓሕዛ እዩ ጸኒሑ። እዚ ዛጊት ብሰብ ሞያ ምሉእ ምሉእ ዘይተፈለጠ ለበዳ ኣብ ዘለወሉ ንእሱራት ምፍታሕ፡ ናይ ሞራላዊ ሕቶ ዘይኮነ ናይ ጥዕና ጉዳይ ስለዝኾነ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ፍታሕ ክገብረሉ ይግደድ ኣሎ። ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣቶ ሓጎስ ኪሻ ኣብ ፓልቶክ ቀሪቡ ኢልዎ ዝበሃል ‘ኣብዚ ሎሚ ቤት ማእሰርቲ እቲ ዝበለጸ መወሸቢ ቦታ ኢዩ’ ኢሉ። እዚ ንዕቀት ዝመልኦ ኣሽካዕላል ዘረባ እዩ። እዚ ለበዳ ኣብዚ ቤት ማእሰርቲታት እንተኣትዩ፡ እቲ ዝጸንሐ ሞራላዊ ዳይለማ ናብ ዝኸፍአ ትራጀዲ ክቕየሮ እዩ። እዚ ከይኮነ ከሎ መንግስቲ ኤርትራ ህጹጽ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ።

