ምስ ምምጻእ ኮሮና ቫይረስ ተፈጢሩ ካብዘሎ ነገራት
ብርቱዕ ወረ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስናን ፈለጥትናን ቤተሰብናን በዚ ሕማም ከይልከፉ ዘሰክፍ ወረ ስለዝመጽእ ጭንቀት ይፈጥር ኣሎ።
ትእዛዛት ናይ ድሩት ምንቅስቓስ ኣብ ገዛኻ እሞ ድማ መወዳእታኡ መዓስ ምዃኑ ምስዘይምፍላጥ፡ ስራሕ ኣልቦነት ሻቕሎት’ ድሕሪ ሕጂ ናበይ ገጽና ኢና ዝብል ዓቕሊ ጽበት።
ዝተኾልፈ መደባትን ዕድላትን እዚውን ኣዋጣሪ ኩነታት ፈጢሩ ኣሎ። ዝነበረ ናይ ነዊሕ መደብ መገሻ፡ ምቕባልን ምፍናውን መቕርብ ዘመድ ዝተኾልፈ መደባት ንብዙሓት ኣብ ሻቕሎት ኣውዲቕዎም ይርከብ።
ጽምዋ ዘምጽኦ ጸገማት ኣሎ፡ ብሕልፊ እቶም ድሮ ጽምዋ ዝነበሮም ሰባት ተደራቢ ኩነታት ስለዝፍጠር፡ ካብዚ ናይ ጭንቂ ሓሳባት ከይትወጽኡን መዘናጋዒ ረኺቦም ካብዚ ጸገም ግልል ከይብሉ ተደራቢ ጭንቀት ዝኾኖም ኣለዉ።
ናይ ዓበይቲን ቆልዑን ኣለይቲ፡ ንሶም’ውን ፍልይ ጸገማት ኣለዎም፡ ቆልዑ ኣብ ቤት ትምህርቲ መምሃራኖም ዝሰትርዎም ዝነበሩ ጸገም ክኾኑዎም ይኽእሉ።
ብሕልፊ ናይ ኣልኮል ናይ ድራግ ምውሳድ ጸገም ዘለዎም ሰባት ብዙሕ ግዜ ኣብ ኢዶም ስለዘሎ ኣብዚ ግዜ ኩነታቶም እናኸፍአ ይኸይድ ማለትዩ። ኣብቲ ዘለዉዎ ኩነታት እቲ ናይ ድራግን ናይ ኣልኮልን እዚ ግዜ ነቲ ዝስምዖም ዘሎ ከም መፍትሒ ስለዝወስድዎ ካብ ቁጽጽር ክወጽእ ይኽእል።
ጽቡቕን ሕማቕን ጎድኒ ምዕጻው
እዚ ዘለናዮ ኩነታት፡ ነቲ ጉያ ጉያ ዝነበረ ህይወት ህድእ ንምባል ክሕግዝ ይኽእልዩ። በቲ ሓደ ወገን ግና፡ ዘይተፈትሐ ምስሕሓብ ዘለዎም ሰብ ሓዳር ንብዙሕ ሰዓታትን መዓልቲታትን ብሓንሳብ ከሕልፉ ከለዉ፡ ዝያዳ መሰሓሓቢ ነገራት ክፍጠሩ ይኽእሉ። ንኣብነት ኣብ ምእላይ ቆልዑ፡ ሎሚ እቶም ቆልዑ ዝያዳ ተገዳስነት ካብ ወለዶም ዝደልይሉ እዋንዩ። እቶም ወለዲ ንባዕሎም ኣብ ጸገም እንተልዮም ንቆልዑ ዝደልይዎ ክህብዎም ስለዘይክእሉ ኣብቲ ስድራቤት ዝያዳ ጸቕጢ ክፈጥር ይኽእል’ዩ።
ሓደ ሰብ ጸቕጢ ከምዘለዎ ንምፍላጥ እቶም ምልክታት እንታይ እዮም?
ኣብ ቆልዑ፡ ዝያዳ ተኣፈፍቲ ይኾኑ፡ ዝያዳ ሕርቃን ቀጨውጨው ይብሉን።
ኣብ ዓበይቲ’ውን ከምቲ ናይ ቆልዑ ምልክታት ዘርእዩ ኮይኖም፡ ብዙሕ ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ግዜ ምሕላፍ ምልክት ክኸውን ይኽእል፡ ናብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምኻድ ካብቲ ዝስምዖ ዘሎ መናገፊ ክወስዶ ይኽእል።
ምቕጣን ጠባይ፡ ቀልጢፍካ ናይ ምሕራቕ፡ ኣብ ዉሽጢ ዝስመዓካ ዘሎ ውጥረት ክኸውን ይክእል እዩ።
ደረጃታት ጸቕጢ
ንኣብነት ሓደ ፍሉይ ምልክት ድቃስዩ፡ ድቃስ ምስኣን ወይ ካብዝነበረካ ዝያዳ ምድቃስ።
ገለ ሰብ ኣሎ ጸቕጢ ክገብረሉ’ከሎ ዝያዳ መግቢ ዝበልዕ፡ ገለ ሰብ ድማ ኣሎ ጸቕጢ ክገብረሉከሎ መግቢ ምብላዕ ዘጉድል።
ቀደም ፈትዩ ዝገብሮ ዝነበረ ስራሓት ምግባር ክጸልኦ ይጅምር።
ጠባይ ምቕጣን፡ ብቐሊሉ ምሕራቕ።
እዞም ምልክታት ብሓንሳብ ክኽሰቱ ከለዉ ሽዑ እቲ ሰብ ነቲ ከባቢኡ ክትንክፎ ይጅምር። እቲ ከባቢ’ውን ብዝያዳ ተኣፋፊ ይኸውን፡ ስለዚ ክልቲኡ እናተላኸዐ ነቲ ኩነታት ኣዚዩ ኣብዘይእለ ኩነት ከብጽሖ ይኽእል።
ናብ ናይ ስነ ኣእምሮ ሕክምና መዓስ ንወስዶ?
ኣብዚ ገለ ናይ ባህሊ ጉዳያት ኣለዎ። ህዝቢና ከምቶም ካልኦት ጸዓዱ ዝገብርዎ ናብ ሳይኮሎጂስት ከይድካ ምሕካም ኣብቲ ባህሊ የለን፡ ገና ኣይተለምደን። ህዝቢና በዚ እዋን ዝያዳ ናብ መራሕቲ ሃይማኖትን ናብ ዓበይቲ ዝበሃሉ ከይዱዩ ጾሩ ከራግፍ ዝደሊ። ስለዝኾነኸኣ ነገራት ኣጸቢቑ ክሳብ ዝብእስ ንሓንሳእ እቲ ጸቕጢ ዝስምዖ ሰብ ተወሳኺ ሕምማማት እንተልይዎ ክሳብ ቤተሰብ ምስካሙ ዝኽእሎ ይጸንሑ ሽዕኡ ኣብ ናይ ኢመርጀንሲ ኩነታት ምስተበጽሐ እዩ ናብ ሕክምና ዝውሰድ።
ስለዚ ናይ ባህሊ ኩነታት ስለዘለና ቀልጢፍካ ነገራት ናይ ምእላይ የለን። እቶም መራሕቲ ዝበሃሉ ንርእሲኦም ሓገዝ የድልዮም እዩ።
ኣብዚ ደረጃ ከይተበጽሐ ኣብ ገዛ ክግበር ዝግብኦ ነገራት ኣሎ?
መጀምርያ፡ መባእታ ናይ ኩሉ ጥዕና ጽቡቕ ምውሳእዩ፡ ኣብዚ ዘለናዮ ንኣብነት ፍሉይ ኮነታት ስለዘሎ ምዝርራብ ክግበር ኣለዎ።
መዓልቲኻ መደብ ከተውጽኣሉ ኣለካ፡ እንድሕር መደብ ዘየለ ፋሕፋሕ ኣሎ። መደብ እንተዘየል’ዩ ሕንፍሽፍሽ ይመጽእ፡
ሕጂ መዓልታዊ መደብ ክህሉ ኣለዎ፡ እዚ መደብ’ዚ ኸኣ መጀመርያ ነቲ ዘሎ ክቕጽል ኣብ ልዕሊኡ ሓደሽቲ መደባት ተዛቲኻ ክትቅይር ኣለካ።
ምስቲ ግዜ ዝመጽእ ዘሎ ወረ ምስማዕ፡ ተለቪዥን ከፊትካ ምሉእ መዓልቲ ዜና ምስማዕ መጀመርያ ዋጋ የብሉን ካልኣይ ከኣ ንሻቕሎትካ ዘጋድድ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብቲ መደብካ ኣካላዊ ምንቅስቓስ (ስፖርት) ክህሉ ኣለዎ። ምኽንያቱ ጥዑይ ኣእምሮ ኣብ ጥዑይ ኣካል’ዩ ዘሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ይውሓድ ይብዛሕ ዝኣክል ምንቅስቓስ ምግባር ንጥዕና ኣእምሮ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ።
ማሕበራዊ ዝምድና (ሶሽያል ኮነክሽን) ምስካልኦት ዘለና ርክባት ብኣካል ዋላ እንተዘይኮነ ዝያዳ ካልእ ግዜ ሎሚ ክድልድል ኣለዎ።
ኣብዚ እዋን ብቑዕን ጽሩይን ሓበሬታ ዘለዎም ንሶም ዝወሓደ ሻቕሎት ኣለዎም። ብዛዕባዚ ኩነታት ኣፍልጦ ዘይብሎም ግና ኣብ ሶሽያል መዲያ በላሕቲ ካብዝኾኑ፡ ሓበሬታ ካብኦም ኣይኮነን ክንወስዶ ዘለና፣ ንኣብነት ኣብ ኣውስትራሊያ መንግስቲ ናይ ትግርኛን ካልእን ቋንቋታት ስለዘለዎ ካብኡ ክንሰምዖ ኣለና። ን ኣብነት ብዛዕባ ኮረና ዝምልክለት ክንደይ ካብ ሚእቲ’ዩ ዘሕምም፡ ዝሕዊ ሓበሬታ ክህባና ዝኽእላ ዉሱና እየን እዚአን ብዛዕባ ምሕማም ጥራይ ኣይኮናን ዝዛረባ ክንደይ ከምዝሓውዩን ካልእ ንስነ ልቦናና ዝጠቅም ሓበሬታ ይህባ እየን።
መደምደምታ
ሓላፍነት ኣለና፡ ንሱ ድማ መጀመርያ ንገዛእ ርእስና ኣደዳ ናይዚ ሕማም ከይንኸውን ንምክልኻል እቲ ዝወሃበና ምኽርን ሓበሬታን ምኽታልን ምትግባርን።
ንሕና ነዚ ሕማም ና ካልኦት ኣብ ምምሕልላፍ መጋበሪ ከይንኸውን ክንጥንቀቕ ኣለና። ስለዚ እቲ ሓለፍነት ንርእስና ካብዚ ምጥንቃቕን ንኻልኦት ድማ ከይነመሓላልፍ ምጥንቃቕ እዩ።
ተወሳኺ፡ እቲ ንሰምዖ ወረ ካብቶም ክእለት ዘለዎም ማዕከናት ክኸውን ኣድላዪ እዩ እቲ ዘድልየና ሓበሬታ ኣብኡ ኣሎ።

