ኣብ ኣውስትራሊያ ንምንባር ዝሕግዙ ሓበሬታታት: ሕቶ ቪዛ ንወለዲ ልዑል ግዜን ገንዘብን ይሓትት
Settlement Guide: parent visas cost time and money Source: Getty ImagesBelterz
ኣብ ኣውስትራልያ ቪዛ ንወለዲ ክትረክብ ነዊሕን ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት መስርሕ ክኸውን ይኽእልዩ። ልዕሊ 40 ሽሕ ወለዲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ ንምርካብ ኣብ ናይ 30 ዓመት ንውሓት ግዜ ዝበጽሕ ዝርዝር ተጸበይቲ ኮይኖም ይርከቡ። ብዙሓት ቤተሰባት ካብቲ መስርዕ ተርታ ዘሊሎም ንምሕላፍ ዝያዳ ገንዘብ ክኸፍሉ ምምራጾም ብዙሕ ምሕሳብ ዘድልዮ ኣይኮነን።
Share


