ኣብ ኣውስትራሊያ ንምንባር ዝሕግዙ ሓበሬታታት: ፖለቲካዊ ስርዓት ኣውስትራልያ
ባይቶ ኣውስትራልያ፥ ካንቤራ፥ ኤሲቲ Source: Getty Images
ፈደራላዊ ምርጫ/መረጻ ተቓሪቡሎ፡ ምስኡ ድማ መበል 45 ባይቶ ኣውስትራልያ ድሕሪ ናይ ሓምለ 2 መዓልቲ ምርጫ ክምስረትዩ። እዚ ምርጫ ነቶም 150 ኣባላት ባይቶ ተወከልቲ፡ 76 ኣባላት ሰነትን ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ ናይዛ ሃገር ኣብ መጻኢ ዝመርሓ ክውስንዩ። ስለዚ ምርጫታት ብኸመይዮም ንመጻኢ ዘመሓድረና መንግስቲ ዝውስኑ?
Share


