ኣብ ኣውስትራልያ ብናይ ደገ ፈቓድ መምርሒ መኪና ከመይ ትዝውር
Australian road sign Source: SBS
ምዝዋር መኪና ንብዙሓት ሓደስቲ መጻእቲ ናብ ኣውስትራልያ ኣዝዩ ኣድላዪዩ። እንተኾነ ግን ኣውስትራልያዊ ፈቓድ መምርሒ መኪና የድልየካ ድዩ፡ ከመይ ትረኽቦ፡ ካብ ግዝኣት ናብ ግዝኣት ክፈላለ ይኽእል። ፈቓድ ከተውጽእ ዘድልዩኻ ነገራት ኣብ ትነብረሉ ከባብን ዘለካ ዓይነት ቪዛን ይምርኮስ።
Share


