ቅሩብ መዓልታት ድሕርቲ ዘማሪት ሄለን ብርሃነ ኣብ ቅድሚ ፕረሲደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ቀሪባ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ብእምነቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝርከቡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ኣቡነ እንጦንዮስ ምግላጻ፤ ምክትል ፕረሲደንት ኣመሪካ እቶም ፓትርያርክ ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ብወግዒ ሓቲቱ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብዚ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ሲኖዶስ ነቶም ንልዕሊ 12 ዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከቡ ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኦርቶድክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፥ ካብ መዝነቶም ብወግዒ ኣውሪዱ፡ ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ዝኾነ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ከይህልዎም ንምኽልካል “መናፍቕ”ጌሩ ከም ዝወገዞም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ነዚ ዉሳነ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን አመሪካ፡ ኤውሮጳን ማአከላይ ምብራቕን አንጻር እቲ አብ ኣስመራ ዝርከብ ሲንዶስ ዝወሰዶ ስጉምቲ ናይ ተቓዉሞ መግለጺ ኣውጺኡ አሎ።
Share






