ኣውስትራሊያዊያን ዉሑዳት ቢልዮነራት ብሃብቲ ይዝቕብቡ ሚልዮናት ድማ ኣብ ድኽነት ይሽመሙ።

ባጤራን ሳናቲምን ኣውስትራሊያ (AAP Image/Morgan Sette) Source: AAP / Morgan Sette/AAPIMAGE
ኣውስትራሊያውያን ብዙሕ ናይ መነባብሮ ቅልውላው የጋጥሞም እኳ እንተሎ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዘለዉ ቢልዮነራት ግን ብዝሒ ሃብቶም ክብረ-ወሰን ይሕዝ ኣሎ ። ሓድሽ ጸብጻብ ኦክስፋም "Inequality Inc." ከም ዝሕብሮ ፡ እቶት እቶም ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከቡ 47 ቢልዮነራት ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ብዕጽፊ ዓብዩ ናብ 255 ቢልዮን ዶላር በጺሑ ኣሎ ።
Share