ወቕትታት ሓጋይ ኣውስትራልያ ተመራመርቲ 'ምሉእ መስርሕ ምቕያር' ወይ 'ቶታል ትራንስፎርሜሽን' ኢሎም ዝጽውዕዎ ይሓልፉ'ለዉ፣ ካብ ትካል ዎርልድ ዌዘር ኣትሪብዩሽን ዝወጸ ሓደ ጸብጻብ እዛ ሃገርና ድሕሪ ደጊም ብማእከላይ ገምጋም ድሕሪ ነብሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመታት ማዕበላት ሙቐት ክትጽበ ኣለዋ ክፍል ደምዲሙ። ተመራመርቲ'ዚ መጽናዕቲ ይብሉ ለውጢ ክሊማ ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ ዝነበረ ዝልብልብ ማዕበል ሙቐት ኣውስትራልያ ክኽሰት ዘነበሮ ተኽእሎ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝያዳ ርጉጽ ክኸውን ገይርዎ፣ ናብ'ዞም ዝተለወጡ ኩነታት ድማ እዛ ሃገር ብህጹጽ ምቅይያራት ክትገብር የድልያ'ሎ። እዚ መጠንቀቕታ ዝመጽእ ዘሎ ደቡባዊ ምብራቕ ግዝኣታት ናይ'ዛ ሃገር ናብ'ቲ ኣብ'ዚ ቀዳመ ሰንበት ዝጀመረ ዝተናወሐን ዝበኣሰን ማዕበል ሙቐት ክኸውን ትንበያ ተገይርሉ ዘሎ እዋን ኣብ ዝኣትዋሉ ዘለዋ እዋን'ዩ።
Listen to Australian and world news and follow trending topics with SBS News Podcasts.
Share






