አርእስታት ዜና፡ ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ፖለቲካ ንምፍታሕ ኢትዮጵያ ን ሕብረት አፍሪቃን ብሓባር ክሽምግሉ ሓዲሽ ጻዕሪ ከምዝጀመሩ ሓደ ካብ ተቓዋሚ ላዕለዋይ ፖለቲከኛ ገሊጹ። ኣብ New South Wales ሓደ ገዛ ብሓዊ ነዲዱ ሰለስተ ደቃ ኣብቲ ሓደጋ ዝሞትዋ ንሳ ኣብ ሆስፒታል ትርከብ። ኣብ ቪክቶርያ ሕሙማት ብሓገዝ ህይወቶም ክሓልፍ ምስዝደሊዩ እቶም ነዚ ክገብሩ ፍቓድ ዝተዋህቦም ዶክተራት ምስ ሕሙማቶም ብዛዕባዚ ጉዳይ ብተለፎን ይኹን ብ ኢንተርነት እንተተዘራሪቦም ሕጊ ፈደራል ከምዝጥሕሱ ክፈልጡ ከምዝግባእ መጠንቀቕታ ቀሪቡ። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ብዙሓት ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ይእሰሩ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።
Share






