SKIP TO MAIN CONTENT

ንኤርትራ ቅድሚ ናጽነት ምርካባ ከም ሃገር ዝፈለጣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራሊያ

Bob Hawk
Source: Fessehaye Abrham

ካብ ሰልፊ ለበር ዝነውሐ ግዜ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራሊያ ዝነበረ ቦብ ሀውክ ኣብ መበል 89 ዓመቱ ብሓሙስ ዓሪፉ። ንሱ ኣብ ፖለቲካ ኣውስትራሊያ ዓቢ ክብሪ ዘውህብ ስራሕ ዝፈጸመ እዩ። ን “Towards Asmara” ትብል መጽሓፍ ናይ ፍሉጥ ደራሲ ቶም ኬንሊ ኣብ 1989 ኣብ ዝመረቐሉ እዋን፡ ብዛዕባ ኤርትራ እወታዊ ዝኾነ ኣረኣእያ ከምዝነበሮን መንግስቱ ነቲ ኣብ ቃልሲ ነጻነት ዝጋደል ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ንምሕጋዝ ድሉው ከምዝነበረ ዝገልጽ መደረ ኣስሚዑ። ኣብቲ እዋን ኣብ ኣውስትራሊያ ሓላፊ ማሕበር ረዲኤት ኤርትራ (ኤራ) ዝነበረን ብድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ናይ ፈለማ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኣውስትራሊያን ዝነበረ ፍስሃየ ኣብርሃም ኣብ ምምራቕ እቲ መጽሓፍን ብዛዕባ ኤርትራ መደረ ዝስምዐን ሓደ ኔሩ፡ ኣምባሳደር ፍስሃየ ብዛዕባ ኣብቲ እዋን ዝነበረ መንግስቲ ኣውስትራሊያን ንናጽነት ኤርትራ ዝግበር ዝነበረ ቓልሲ ዝነበረ ኣተሓሕዛን፡ ምስ ታሪኽ ቦብ ሀውክ ኣተሓሒዙ ገሊጹ ኣሎ።

Published

Updated

By Beyene Semere

Source: SBS

Skip to podcast episode content

ካብ ሰልፊ ለበር ዝነውሐ ግዜ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራሊያ ዝነበረ ቦብ ሀውክ ኣብ መበል 89 ዓመቱ ብሓሙስ ዓሪፉ። ንሱ ኣብ ፖለቲካ ኣውስትራሊያ ዓቢ ክብሪ ዘውህብ ስራሕ ዝፈጸመ እዩ። ን “Towards Asmara” ትብል መጽሓፍ ናይ ፍሉጥ ደራሲ ቶም ኬንሊ ኣብ 1989 ኣብ ዝመረቐሉ እዋን፡ ብዛዕባ ኤርትራ እወታዊ ዝኾነ ኣረኣእያ ከምዝነበሮን መንግስቱ ነቲ ኣብ ቃልሲ ነጻነት ዝጋደል ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ንምሕጋዝ ድሉው ከምዝነበረ ዝገልጽ መደረ ኣስሚዑ። ኣብቲ እዋን ኣብ ኣውስትራሊያ ሓላፊ ማሕበር ረዲኤት ኤርትራ (ኤራ) ዝነበረን ብድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ናይ ፈለማ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኣውስትራሊያን ዝነበረ ፍስሃየ ኣብርሃም ኣብ ምምራቕ እቲ መጽሓፍን ብዛዕባ ኤርትራ መደረ ዝስምዐን ሓደ ኔሩ፡ ኣምባሳደር ፍስሃየ ብዛዕባ ኣብቲ እዋን ዝነበረ መንግስቲ ኣውስትራሊያን ንናጽነት ኤርትራ ዝግበር ዝነበረ ቓልሲ ዝነበረ ኣተሓሕዛን፡ ምስ ታሪኽ ቦብ ሀውክ ኣተሓሒዙ ገሊጹ ኣሎ።

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now