ትሕተ ዕድመ መርዓ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለም ጸገም ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ። ዋላ ኣብተን መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ከመሓይሻ ዝሰርሓ ሃገራት እንተኾነውን፡ እዚ ጸገም ቀጻሊ እዩ ዘሎ። ሓንቲ ካብዘን ሃገራት ኢትዮጵያ ኮይና 15 ሚሊዮን ትሕተ ዕድመ ቆልዑ መራዑት ዝርከቡዋ ሃገር እያ፡፤ SBS ናብ ኢትዮጵያ ብምጉዓዝ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ምዕባለ እናተራእየ ኣብዝኸደሉ ዘሎ ንምንታይ ጸገም ትሕቲ ዕድመ መርዓ ቀጺሉ ከምዘሎ ኣጽኒዑ ተመሊሱ ኣሎ፡፤
Share






