Source: Ethiopian Governmentኣብዚ ቕነ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ አሕመድ ሓዲሽ ሰልፊ ክምስርትን ናይ “መደመር” ዝብል ፍልስፍና ኣልዒሉ ኣብዝጓየየሉ ዘሎ እዋን ብዙሕ ናይ ፖሊቲካ ምልውዋጥ ተራእዩ ኣሎ። ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያን፡ ምኽትል ኣቦወንበር ሰልፊ ዲሞክራስያዊ ውድብ ኦሮሞን (ኦዲፒ) ኣቶ ለማ መገርሳ፡ ውህደት ኢህወደግ ከምዘየኣምንሉ ንቪኦኤ ምግላጹ ድማ ነቲ ዝባራዕ ዘሎ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ነዳዲ ወሲኽሉ ኣሎ። ኣቶ ታየ ደንደአ - ናይ ብልጽግና ፓርቲ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ጨንፈር ኦሮሚያ ምስ ኤስ ቢ ኤስ ኣምሓርኛ ቃለ መሕትት ኣብዝሃቦ ነቲ ኩነታት ኣብሪሁ ኣሎ።
ኣብዚ ቕነ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ አሕመድ ሓዲሽ ሰልፊ ክምስርትን ናይ “መደመር” ዝብል ፍልስፍና ኣልዒሉ ኣብዝጓየየሉ ዘሎ እዋን ብዙሕ ናይ ፖሊቲካ ምልውዋጥ ተራእዩ ኣሎ። ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያን፡ ምኽትል ኣቦወንበር ሰልፊ ዲሞክራስያዊ ውድብ ኦሮሞን (ኦዲፒ) ኣቶ ለማ መገርሳ፡ ውህደት ኢህወደግ ከምዘየኣምንሉ ንቪኦኤ ምግላጹ ድማ ነቲ ዝባራዕ ዘሎ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ነዳዲ ወሲኽሉ ኣሎ። ኣቶ ታየ ደንደአ - ናይ ብልጽግና ፓርቲ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ጨንፈር ኦሮሚያ ምስ ኤስ ቢ ኤስ ኣምሓርኛ ቃለ መሕትት ኣብዝሃቦ ነቲ ኩነታት ኣብሪሁ ኣሎ።