ካልኣይ ክፋል ዕላል ምስ ኣቶ ከነዲ ወልደማርያም። እዚ ብምኽንያት ሰሙን ወይ ቅነ ስደተኛታት ምስ ኣቶ ኬነዲ ወልደማርያም ተቐማጢ መልበርን ዝገበርናዮ እዩ። ንሱ ኣብ 2003 ናብ ኣውስትራሊያ ክመጽእ’ከሎ ፈለማ ኣብ ምእራይ ፍረታት፡ ኣብ ስራሕ ላውንድሪን ተቖጺሩ ክሰርሕ ጀሚሩ። ደሓር ግና ንዝነበሮ ትምህርቲ ወሲኹ፡ ወኪል ግብሪ ከፊቱ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 200 ዘዋፈረ ናይ ብዙሕ ትካላት ወናኒን ኣካያዲን እዩ። ገለ ካብ ትካላቱን ምስ መሻርኽቱን፦ 4 ናይ ኮፊ ክላብ ፍራንቻይስ፡ ርይል አስቴት፡ ኢንሹራንስን ካልእን ይርከቦ።
Share






