"ንኹላትና ከተሰማምዓና ናብ ትኽእል ናብ ተልእኾ ኤሪሳት ንመለስ" ኣቶ ተወልደ፡ "ሄኖክ ሲዒሩ፡ ሳባ ወዲቓ ምባል ንኹላትና ኣይጠቕመናን'ዩ" ፊልሞን

ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ዝዓዪ ናይ ኤርትራዊያን መዲያ ኤሪሳት ኣብዚ ቅሩብ እዋን ኣብ መንጎ ቦርድን ኣካየድቲ ስራሕን ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ እቲ ክሳብ ናብ ዉሽጢ ኤርትራ ብመገዲ ሳተላይት ዝመሓላለፍ ዝነበረ ከቋርጽን ኣብ ቀጻሊ ናይ እንካን ሃባን ፍሕፍሕ ተፈጢሩ ጸኒሑ። ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ዝተገብረ ጻዕርታትን ኣብ መንጎ ዘሎ ፍልልያትን እንታይ ከምዝመስል ምስ ኣባል ቦርድ ኤሪሳት ኣቶ ተወልደ እሲፋኖስን ኣባል ኣካየድቲ ኤሪሳት ኣቶ ፊልሞን ሓጎስ ዝተገብረ ዝርርብ።
Share