SKIP TO MAIN CONTENT

"ድሕሪ 15 ዓመታት፡ ኤርትራዊያን ጋዜጠኛታት ብሕቲ ናበይ ኣበሉ?" ዛዕባ ሎሚ : SBS Tigrinya

Getty Images/sarainiyan
Getty Images/sarainiyan Source: Getty Images/sarainiyan

.... ምዕጻው ናይ ብሕቲ ፕረስ ካብ ምእሳርን ምግፋዕን ጋዜጠኛታት ክሳብ ዘየስርሕ ሕጊ ፕረስን ምድራት ምጥቃም ኢንተርነት ኣብ ግምት ኣእትዩ CPJ ብዝሰርዖ ናይ ፕረስ ጨቆንቲ ተርታ ሃገራት፡ ንኤርትራ ቀዳመይቲ ክገብራ ከሎ ንሰሜን ኮርያ ካልኣይቲ ኢትዮጵያ ድማ ንሱዕዲ ዓረብ ተኸቲላ ኣብ ራብዓይ ተርታ መዲብዋ ኣሎ። ብመሰረት ትንታነ CPJ፡ ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ዝጥቀማሉ ኣገባብ ኣታዓፋፍና ነጻ ፕረስ፡ ብደረጃኡ ዝፈላለ ኮይኑ ፡ ሰብ መዚ እተን ሃገራት ናይ ስልጣን ጽምኣቶም ንምርዋይ፡ ንኹሉ መዲያ ኣብ ኢዶም ብምእታው ይቆጻጸርዎ፡ መርበባት ስለያ ኣዋፊርካ ንጋዜጠኛታት ብምፍርራሕን ኣብ ማእሰርቲ ንዓመታት ምዕጻውን፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣትዮም ብዛዕባቲ ሃገር ክጽሕፉ ንዝደሊዩ ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታት ናብ ሃገረን ካብ ምእታው ምኽልካልን ይርከቦ ይብል። እምበኣር ነዚ ኩነታት ፕረስ ኤርትራ እንታይ ይመስል ክንምልከት ናይ ሎሚ ዛዕባና ምግባርና ብወዝቢ ኣይኮነን። ወርሒ መስከረም ኣብ ዝመጻሉ እዋን ነቶም ኣብ 18 መስከረም 2001 ኣዳለውቲን ጋዜጠኛታትን ብሕቲ ጋዜጣታት፡ መንግስቲ ምስ ኣሰሮም ብዘይፍርዲን ሃለዋቶም ካብ ዝጠፍእን 15 ዓመት ዘቑጸሩ ንምዝካር ኢና ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ቀሪብና ዘለና፡ እንሆ ዛዕባ ሎሚ ።

Published

Updated

By Beyene Semere

Source: SBS

Skip to podcast episode content

.... ምዕጻው ናይ ብሕቲ ፕረስ ካብ ምእሳርን ምግፋዕን ጋዜጠኛታት ክሳብ ዘየስርሕ ሕጊ ፕረስን ምድራት ምጥቃም ኢንተርነት ኣብ ግምት ኣእትዩ CPJ ብዝሰርዖ ናይ ፕረስ ጨቆንቲ ተርታ ሃገራት፡ ንኤርትራ ቀዳመይቲ ክገብራ ከሎ ንሰሜን ኮርያ ካልኣይቲ ኢትዮጵያ ድማ ንሱዕዲ ዓረብ ተኸቲላ ኣብ ራብዓይ ተርታ መዲብዋ ኣሎ። ብመሰረት ትንታነ CPJ፡ ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ዝጥቀማሉ ኣገባብ ኣታዓፋፍና ነጻ ፕረስ፡ ብደረጃኡ ዝፈላለ ኮይኑ ፡ ሰብ መዚ እተን ሃገራት ናይ ስልጣን ጽምኣቶም ንምርዋይ፡ ንኹሉ መዲያ ኣብ ኢዶም ብምእታው ይቆጻጸርዎ፡ መርበባት ስለያ ኣዋፊርካ ንጋዜጠኛታት ብምፍርራሕን ኣብ ማእሰርቲ ንዓመታት ምዕጻውን፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣትዮም ብዛዕባቲ ሃገር ክጽሕፉ ንዝደሊዩ ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታት ናብ ሃገረን ካብ ምእታው ምኽልካልን ይርከቦ ይብል። እምበኣር ነዚ ኩነታት ፕረስ ኤርትራ እንታይ ይመስል ክንምልከት ናይ ሎሚ ዛዕባና ምግባርና ብወዝቢ ኣይኮነን። ወርሒ መስከረም ኣብ ዝመጻሉ እዋን ነቶም ኣብ 18 መስከረም 2001 ኣዳለውቲን ጋዜጠኛታትን ብሕቲ ጋዜጣታት፡ መንግስቲ ምስ ኣሰሮም ብዘይፍርዲን ሃለዋቶም ካብ ዝጠፍእን 15 ዓመት ዘቑጸሩ ንምዝካር ኢና ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ቀሪብና ዘለና፡ እንሆ ዛዕባ ሎሚ ።

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now