Protesters act in front of the camera after setting a burning barricade in the Eastern Congolese town of Beni Source: APኣብ ኮንጎ ዝግበር ፕረሲደንታዊ ምርጫ ኣብቲ ሕማም ኢቦላ ኣለዎ ዝበሃል ቦታታት ምርጫ ክካየድ ብዘይምግባሩ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ነቲ ሕማም ኢቦላ ንምክትታል ተባሂሉ ዝተተኽለ መሳርሒታት ብምዕናው ተቓዉሞ ጌሮም። እቲ ምርጫ ፈለማ ኣብ 2016 ክግበር እዩ ተመዲቡ ኔሩ፣ ዝተፈላለዩ ምኽንያት እናቐረበ ግና ደጋጊሙ ክናዋሕ ተጌሩ። ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋል እታ ሃገር ብ ዕግርግርን ብልሽውናን ይሕመስ ኣሎ።
ኣብ ኮንጎ ዝግበር ፕረሲደንታዊ ምርጫ ኣብቲ ሕማም ኢቦላ ኣለዎ ዝበሃል ቦታታት ምርጫ ክካየድ ብዘይምግባሩ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ነቲ ሕማም ኢቦላ ንምክትታል ተባሂሉ ዝተተኽለ መሳርሒታት ብምዕናው ተቓዉሞ ጌሮም። እቲ ምርጫ ፈለማ ኣብ 2016 ክግበር እዩ ተመዲቡ ኔሩ፣ ዝተፈላለዩ ምኽንያት እናቐረበ ግና ደጋጊሙ ክናዋሕ ተጌሩ። ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋል እታ ሃገር ብ ዕግርግርን ብልሽውናን ይሕመስ ኣሎ።