Dr Misghna Gmedhin Source: Dr Misghna Gmedhinዶክተር ምስግና ገብረመድህን(ወዲ ጀርመን) ብዝሓደሮ ሃንደበታዊ ሕማም ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምዕራፉ ፡ ቤተሰብን ፈተውትን ኤርትራውያንን ካልኦት መሓዙትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ስነስርዓት ቀብሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተፈጺሙ። ካልኣይ ቀብሪውን ኣብ ከተማ ዓዲ ቐይሕ ከም ዝተፈጸመ ክፍለጥ ተኻኢሉሎ። ዶክተር ምስግና ሓደ ካብቶም ኣብ ስደት ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሑ ኤርትራዊ ናይ ኣንትሮፓሎጂ ማለት ናይ ስነሰብ ምሁር ኮይኑ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ቢዮላ ዩኒቨርሲትን ካልኦትን ብዝለዓለ ሓላፍነት ክሰርሕን ከስርሕን ዝኸኣለ ኣብ ዕድሚኡ Eritrea The Agony My People እትብል መጽሓፍን ካልኦት ሓያሎ መጻሕፍትን ዝጸሓፈ ምሁርዩ። ዶክተር ምስግና ናይ ቀረባ ዘመድ ብላታን ጌታን ሎረንሶ ታእዛዝ ኮይኑ ኣብ ፈለማ ናጽነት ናብ ኤርትራ ብምእታው ኣብ ዓዲ ቐይሕ፡ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን እናተዘዋወረ ንመንእሰያት ከስተምህርን ከንቕሕን ፈቲኑ ምንባሩ ይፍለጥ። ብምኽንያት ዕረፍቲ ዶክተር ምስግና ሬዲዮ SBS Tigrigna ሓዘና ንኹሎም ፈተውቲ እናገለጽና ቅድሚ ሕጂ ምስ ሪድዮ SBS ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ኣብ ክልተ ክፋላት ዳግም ናብ ሰማዕቲ ንፍንዎ ኣሎና።
ዶክተር ምስግና ገብረመድህን(ወዲ ጀርመን) ብዝሓደሮ ሃንደበታዊ ሕማም ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምዕራፉ ፡ ቤተሰብን ፈተውትን ኤርትራውያንን ካልኦት መሓዙትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ስነስርዓት ቀብሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተፈጺሙ። ካልኣይ ቀብሪውን ኣብ ከተማ ዓዲ ቐይሕ ከም ዝተፈጸመ ክፍለጥ ተኻኢሉሎ። ዶክተር ምስግና ሓደ ካብቶም ኣብ ስደት ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሑ ኤርትራዊ ናይ ኣንትሮፓሎጂ ማለት ናይ ስነሰብ ምሁር ኮይኑ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ቢዮላ ዩኒቨርሲትን ካልኦትን ብዝለዓለ ሓላፍነት ክሰርሕን ከስርሕን ዝኸኣለ ኣብ ዕድሚኡ Eritrea The Agony My People እትብል መጽሓፍን ካልኦት ሓያሎ መጻሕፍትን ዝጸሓፈ ምሁርዩ። ዶክተር ምስግና ናይ ቀረባ ዘመድ ብላታን ጌታን ሎረንሶ ታእዛዝ ኮይኑ ኣብ ፈለማ ናጽነት ናብ ኤርትራ ብምእታው ኣብ ዓዲ ቐይሕ፡ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን እናተዘዋወረ ንመንእሰያት ከስተምህርን ከንቕሕን ፈቲኑ ምንባሩ ይፍለጥ። ብምኽንያት ዕረፍቲ ዶክተር ምስግና ሬዲዮ SBS Tigrigna ሓዘና ንኹሎም ፈተውቲ እናገለጽና ቅድሚ ሕጂ ምስ ሪድዮ SBS ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ኣብ ክልተ ክፋላት ዳግም ናብ ሰማዕቲ ንፍንዎ ኣሎና።