SKIP TO MAIN CONTENT

ናብ ኣውስትራሊያ ዝስደዱ ተቐባልነት ክረኽቡ እንታይ ረቛሒታት ከማልኡ ኣለዎም? አውስትራሊያዊያን ዝሃብዎ መልሲ።

ELEX ESSENTIAL POLL RNF
Muslim Community Advocate and teacher, Inaz Janif (SBS) Source: SBS

ኣብ ጎስጓስ ምርጫ ኣውስትራሊያ፡ ሕቶ ስደተኛታት እቲ ዝዓበየ ጉዳይ ኮይኑ ቀጺሉ ኣሎ። ሰልፊታት ፖለቲካ ብዛዕባዚ ዘለዎም ፖሊሲታት ኣብዝካትዕሉ ኣድመጽቲ ድማ እቲ ዝደልይዎ ክገብሩ መዲቦም ኣለዉ። ብ SBS News ዝተመወለ ፍሉይ መዐቀኒ ድምጺ ከምዝሕብሮ ናብ ኣውስትራሊያ መን ክኣቱ ኣለዎ ኣብዝብል ሕቶ፤ ‘ክሰርሕ ዝኽእል’ ዝብል መልሲ ብልዕሊ ሰለስተ ርብዒ ድምጺ ህዝቢ ዓብሊሉ ወጺኡ።


Published

By Beyene Semere

Source: SBS



Skip to podcast episode content

ኣብ ጎስጓስ ምርጫ ኣውስትራሊያ፡ ሕቶ ስደተኛታት እቲ ዝዓበየ ጉዳይ ኮይኑ ቀጺሉ ኣሎ። ሰልፊታት ፖለቲካ ብዛዕባዚ ዘለዎም ፖሊሲታት ኣብዝካትዕሉ ኣድመጽቲ ድማ እቲ ዝደልይዎ ክገብሩ መዲቦም ኣለዉ። ብ SBS News ዝተመወለ ፍሉይ መዐቀኒ ድምጺ ከምዝሕብሮ ናብ ኣውስትራሊያ መን ክኣቱ ኣለዎ ኣብዝብል ሕቶ፤ ‘ክሰርሕ ዝኽእል’ ዝብል መልሲ ብልዕሊ ሰለስተ ርብዒ ድምጺ ህዝቢ ዓብሊሉ ወጺኡ።


ግዳይ ጽልኢ እስልምና (Islamophobia) ዝኾነትን ተጣባቒት ማሕበረሰባት ዝኾነት ምስቶም  እስልምና እምነቶም ብምዃኑ አድልዎ ዝበጽሖም ትሰርሕ  ኢናዝ ጃኒፍ   ናብ ኣውስትራሊያ ስደተኛታት ንምእታው፡ ዝበዝሑ ኣውስትራሊያዊያን ሃይማኖት እቲ ቀንዲ ረቛሒ ዘይምግባሮም ኣዚያ ከምተገረመት ትገልጽ።

 [ናይ ፈለማ ስራሐይ ከመልክት ከለኹ፡ ሕጃብ ምግባር እንተገዲፈዮ ኣብቲ ስራሕ ክኣቱ ከምዝኽ እል ተነጊሩኒ። ሎሚ ሃይማኖት ቀንዲ ሓጹር ኣይኮነን ዘሎ፡ እዚ ኣዚዩ ዘገርም እዩ።

 ኣብቲ ብSBS, ዝተመወለ ናይ 1,000 ህዝቢ ድምጺ፡ ብዛዕባ ሓደሽቲ መጻእቲ እቶም ቀዳሞት ሰለስተ ቀዳምነታት ክኾኑ ዝግባእ እቶም ሰባት ተሓቲቶም።

 ገለ ካብቶም ቅጥዒታት፤ ቋንቋ እንግሊዝ ምዝራብ፡ ሞያ ስራሕን ክእለትን፡ ኣፍልጦ ብዛዕባ ባህላዊ ክብሪታት ኣውስትራሊያ፡ ኣብ ኣባይቲን ቢዝነስን ወፍሪ ምግባር፡ ዕድመ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ አባላት ስድራ እንተለዎም፡ መበቆል ዓዲን ሃይማኖትን አዮም።

 ሞያ ስራሕን ክእለትን ብቐዳምነት ከም መእተዊ ረቛሒ ዝሰርዕዎ ክኾኑ ከለዉ፡ ኣፍልጦ ብዛዕባ ባህላዊ ክብሪታት ኣውስትራሊያ፡ ድማ ብካልኣይ ደረጃ ሰሪዖሞ።

ጽቡቕ ቋንቋ እንግሊዝ ምዝራብ፡ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዑ።

 መበቆል ዓዲን ሃይማኖትን ከም ቀንዲ ረቛሒ ከይወሰዱ ኣብ ድሕሪት ሰሪዖሞ።

 ብሓፈሻ ክግምገም ከሎ፡ ኣውስትራሊያዊያን ከም ዓቢ ነጥቢ ስደተኛታት ንምምጻእ፤  መበቆል ዓዲምን ሃይማኖቶምን ብዘየገድስ፤  ሞያ ስራሕን ክእለትን ናይ ሰባት እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ረቛሒ ጌሮም እዮም ዝሓስብዎ።

 ኣባል ፓርላማ ካብ ሰልፊ ሊብራል ንመምበር ፈደራል በነሎንግ, ኣብ ሲድኒ, ጆን ኣለክሳንደር ከምዝብሎ እቲ ዉጽኢት ናይዚ መጽናዕቲ መረጋገጺ እዩ፡፤

[[ነዚ ምስሰማዕኩ ቀሲነ እየ፡ ምኽንያቱ ኣብ ሃይማኖት ዝምርኮስ ኣድልዎ ከይህልወና ተስፋ ጌረ ኔረ።

 Chris Gambian, ናይ ሰልፊ ለበር ሕጹይ ፈደራል ንመንበር ባንክስ ከምዝብሎ ድማ ናይ ኣውስትራሊያ ኢሚግረሽን ብዛዕባ ኣበርክቶ እዩ ክኸውን ዘለዎ።

 [[ከምዝመስለኒ፤ ኣብ መጻኢ ሚግረሽን እንታይ ተራ ክህልዎ ኢዩ ኢልካ ንህዝቢ እንተሓቲትካ፡ ብልክዕ ነዚ መልሲዚ ኢኻ ትረክብ። ናብዚ ዓዲ ክትመጽእ ከለኻ ነዚ ሃገር ኣበርክት፤ ህይወትካ ኣመዓራሪ ነዚ ቦታ ዝሓሸ ግበሮ ንኣውስትራሊያ ከኣ ዝተወፈኻ ኩን።

 Violet Roumeliotis, ኣካያዲት ስራሕ ወይ CEO ናይ Settlement Services International ኮይና ስራሕ ንዝበዝሑ ስደተኛታት መጻእቲ ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ ብዙሓት ግና ነቲ ሒዞሞ ዝመጹ ክእለት ወይ ናይ ትምህርቲ ሰርቲፊኬት ኣብ ኣውስትራሊያ ተቐባልነት ኣይረክብን እዩ።

 ክእለቶም ምስ ኩነታት ስራሕ ኣውስትራሊያ ዘይሳነ ምዃን ገለ ካብቲ ምኽንያታት እዩ።

 [[ብዙሓት ምጽእ ምስበሉ ስራሕ ክረኽብሉ ዝኽእሉ ክእለት ኣለዎም። ፍሉይ ዲግሪ ሃልይዎም ኣፍልጦ ክረኽብሉ ይደልዩ ይኾኑ እንተኾነ ኣስራሕቲ ብዛዕባቲ እቶም መጻእቲ ሒዞሞ ዝመጹ ዲግሪ ኣይኮነን ዘገድሶም። እቲ ጉዳይ ብዛዕባ ናይቶም ሰባት ተወዳዳርነትን እቲ ኣገባብ ስራሕ ምስ ኣውስትራሊያዊ ኩነታት ይሳነ ድዩ, ኣብዚ ድማዩ ብዙሓት ኪኢላታት ደገፍ ዘድልዮም።

 ኢናዝ ጃኒፍ ምስ ሓደሽቲ ስደተኛታት ብቐረባ እያ እያ ትሰርሕ፡ ገለ ካብቶም መጻእቲ ኣብ ሃገሮም ስራሕ ስለዝስእኑ እዮም ናብ ኣውስትራሊያ ዝመጹ ትብል።

 ኣብዚ ጉዳይ ናይ መንግስቲ ደገፍ ከምዘድሊ ድማ ትገልጽ።

 [[ሞያ ስራሕን ክእለትን ኣድለይቲ እዮም፡ ኣብ ግምት ክኣትው ዘለዎ ግና ገለ ገለ ሰባት ኩነታቶም ስለዝቕየር ነዚ ከማዕብሉ ዕድላት የብሎምን።

 


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now