እቶም ዝተፈላልዩ ባህላዊን እትኒካዊን ድሕረባይታ ዝነብርዎም መምረጺ ከባቢታት ኣብ ዉጽኢት ምርጫ ኣውስትራሊያ ወሳኒ ተራ ከምዝህልዎም ተፈሊጡ። እቲ ሓደ ምኽንያት አዚዩ ወሳኒ ወናብር ስለዝህልዎ እዩ። ሕጹያት ኣብ ሓጹር ቋንቋታትን ንብስደት ዝመጹ ማህበረሰባት ኣዚዩ ሰፊሕ ጉዳያት ዘል ዕል ብምዃኑ እዩ።
ጓል 18 ዓመት ጀራልዲን ካፉራጀጆዩ እብቲ 18 ግንቦት ዝግበር ሃገራዊ ምርጫ ኣውስትራሊያ ንፈለማ እዋን ድምጻ ክትህብ ክፍቀደላ እዩ።
ስድራኣውን ካብ ኬንያ ኣብ 2010 ናብ ኣውስትራሊያ ካብዝመጹ ንደሓር ንፈለማ እዋን እዮም ኣብ ኣውስትራሊያ ድምጾም ክህቡ።
እቲ ዝለዓል ጉዳይ ንትህቦ ድምጺ ክቕይሮ ከምዝኽ እል ጀራልዲን ትዛረብ
"ምናልባት ትምህርቲን ህዝባዊ ትራንስፖርትን እቶም አገደስቲ ጉዳያት እዮም ነዓይ። እዚ ድማ ናብ ዩኒቨርሲቲ ስለዝኸይድ ወትሩ ህዝባዊ ትራንስፖርት እየ ዝጥቀም። ን አደይ ግና እቲ ዝዓበየ ጉዳይ መንበሪ ገዛ እዩ።
ጀራልዲን ብተወሳኺ ምስቶም ካብ ወጻኢ ተሰዲዶም ኣብ ደቡባዊ ም ዕራብ ሲድኒ ድምጻ ክትህብ ምኽ ኣላ ሃጎስ ከምዝስመዓ ትገልጽ።
"ኣብኩሉ ምርጫ ዓቢ ጉዳይ ተጌሩ ክሕሰብ ምር ኣየይ ጽቡቕ ስም ዒት እዩ ዝስመዓኒ። ብዙሃት ሰባት ነዚ መሰል ኣይሕጎሱሉን እዮም። ኣነ ግን ኣብዚ ሃገር ምህላወይ ዕድለኛ እየ።
ናይ ግዚያዊ ነባርነት ኣብ ኣውስትራሊያ ዘለዎ ታህሙር ራሺድ ከምዝብሎ ብዛዕባ ፖለቲካ ኣውስትራሊያ ኣዚዩ ይግረም።
ኣብዚ ድምጹ ዝህበሉ መዓልቲ ክመጸሉ ድማ ይናፍቕ።
ነፍሲ ወከፍ ድምጺ ወሳኒ እዩ፡ ኣብዚ እዋን ደሞክራሲ ካብነፍሲ ወከፍ ወሃቢ ድምጺ እዩ እዩ ኮይኑ፡ ኣብዝኾነ እዋን ድምጸይ ክህብ ዕድል ክረክብ አብዝኽ እለሉ እዋን ሕጉስ ክከውን እየ።
እንተኾነ ብዙሓት ብስደት ዝመጹ ሰባት ድምጺ ምሃብ ኣጸጋሚ ክኾኖም ከምዝኽ እል Dr Jill Sheppard ካብ Australian National University, ይገልጽ።
እዚ ዘለና ስር ዓት ምርጫ ኣብ ዓለም ከባዘሎ እቲ ኣዚዩ ኣጸጋሚ ስር ዓት እዩ። ቋንቋ እንግሊዝ ድሕረ ባይታኻ ካብ ዘይኮነ እንተመጺእካ , ብዛዕባ ፖለቲካ ኣውስትራሊያ ፍልተት እንተዘይብልካ ኣብ ምርጫ ኣውስትራሊያ ምስታፍ ኣዚዩ ኣጸጋሚ ክከውን ይኽእል እዩ።
ብመሰረት ኣብ ገዛውቲ ዝዝረብ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት እቶም 10 ቀንዲ ወሰንቲ መናብር ሕብረ ብዙሕ ባህሊ ከባቢታት ኣብ New South Wales ን Victoria እየን ዝርከባ።
እተን 6 መናብር ብ ሰልፊ ለበር ዝተታሕዛ ክኾና ከለዋ ሰልፊ ሊብራል ነተን 4 መናብር ሒዝወን እንተጸንሀ እኳ Julia Banks ነቲ ሰልፊ ድሕሪ ምግዳፋ ናይ Chisholm ካብ ሰልፊ ሊብራል ወጻኢ ኮይና ኣላ።
ኣብዚ እዋን ንሳ ከም ናይውልቂ ተወዳዳሪት ኮይና ትቐርብ ኣላ።
ኣብቶም ሕብረ ብዙሕ ባህሊታት ማሕበረሰባት ዘለወን ከባቢታት ኣድመጽቲ ከይጽገሙ ወይውን ንምስሓቦም ተባሂሉ ፖለቲከኛታት ነቲ ናይ ጎስጓስ ፖስተራቶም ናብ ቋንቋታት ተርጉሞም ዘርጊሖሞ ኣለዉ።
መራሕቲ ባህሊን ሃይማኖታትን ክድግፍዎምውን የእምንዎም እዮም ዘለዉ።
እንተኾነ ኣውስትራሊያ ን 300 ዝተፈላለዩ ኢትኒካዊ ጉጅለታት መንበሪ ብምዃና፤ ፖለቲከኛታት ንነፍሲ ወከፍ ኢትኒካዊ ጉጅለ ዝኸውን ጉዳይ ንምቕራብ ይሽገሩ እዮም።
Jayana Nadarajalingam ካብ መልበርን ዩኒቨርሲቲ ብዛዕባዚ ተብርህ
"እዚ ፖለቲከኛታት ክገብርዎ ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ዉሽጢን አብ መንጎን ብስደት ዝመጹ ማሕበረሰባት ብዙሕ ፍልልያት ኣሎ፡፤ ን አብነት ዓሌት፤ ባህሊ፤ ቋንቋ፤ ገለ ካብቶም ፍልልያት ዉሑዳት እዮም።
እቲ ኣብ 2017 ኣብ አውስትራሊያ ዝተገብረ ናይ ተመሳሳሊ ጾታ መእ ዓ ምሃብ ድምጺ እቶም ማሕበረሰባት ክሳብ ክንደይ ዓቃባዊያን ምዃኖም ዘመስከረ እዩ።
እቲ ውጽ ኢት ናይቲ ዝተገብረ ረፈረደም እወ ይኹን ብዝብል ዉጽ ኢት እንተተዛዘመ እኳ እቶም 12 ካብ 17 ወናብር ንመር ዓ ተመሳሳሊ ጾታ ብ ኣንሳሩ ድምጺ ዝሃቡ ኣብ ም ዕራብ ሲድኒ እዩ።
ስለዚ እዞም ዕቃባዊ ኣረኣእያታት ነቲ ጸጋማዊ ወናብር ናብ የማን ክወስድዎ ይኽ እሉ ዶ?
Professor Ariadne Vromen ካብ ሲድኒ ዩንቨርሲቲ እዚ ናይ ምዃን ተኽ እሎ የለን ይብል
"እቲ ብዛዕባ ማዕርነት መርዓ ዝተገብረ ምሃብ ድምጺ ፍሉይ ጉዳይ እዩ። ኣብ ምዕራባዊ ሲድኒ ኣይፋል ከምዘድመጹ ሓቂ እዩ፡ እዚ ኣቶም ብብዝሒ ሕብረብዙሃዊ ባህሊ ዝነብርሉ ክፋል ናይ ሲድኒ እዩ። እንተኾነ እዞም ከባቢታት እዚአቶ ጽኑ ዓት ግዝ ኣት ሰልፊ ለበር እዮም።
ከም ኡውን ብ እምነት ፕሮፌሶር ቭሮመን ሓደ ቀንዲ ጉዳይ ኣሎ ንሱ ድማ እቶም ቀንዲ ሰልፊታት ኣውስትራሊያ ክፈትሕዎ ዘለዎም ጉዳይ ጉዳይ ብዝሑነት ሕጹያት ፖለቲካ እዩ።
እዚ ጉዳይ ኣድመጽቲ ምስቲ ፖለቲካ ከይተአሳሰሩ ዝገብር እዩ፡
"ኣብ ፖለቲካ ኣውስትራሊያ ካብ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ድሕረባይታ ዘለዎም ፖለቲከኛታት ኣዚዮም ዉሑዳት እዮም። ስለዚ ንመጻኢ ክንጥምት ኣለና ሓደስቲ ማሕበረሰባት ኣብቲ ፖለቲካ ናይዚ ዓዲ ገዛእ ር እሶም ክንጸባረቕ ይደሊዩ እዮም።
ዶክተር ሸፐርድ በዚ ይሰማማዕ.
"እቲ ናይ ኣንግሎ ድምጺ፡ እቶም ኣብ ኣውስትራሊያ ዝመበቆሎም ኣድመጽቲ ሕጂውን ድልዱል እዩ ዘሎ፡ ካብቲ ዝገበርናዮ መጽናዕቲ ን ኣብነት እዚ ኣቶም ካብዞም ን ኡሳን ዓሌታት ሕጹያት ከይህልዉ እዮም ዝደልዩ። ክሳብ እቲ ኣንግሎ ኣውስትራሊያዊ ድምጺ ዝቐጸለ ንዕኦም ዝመስል ድማ ንዕኦም ዝመስል ሕጹይ ካብ ምንዳይ ኣየቋርጹን እዮም።






