"በዚ ኩነታት ድሮ ስራሕ ዝሰኣኑ ኣለዉና፡ እንተ ቐጺሉ ዝያዳ ኩሉ ንህሰ ንሕና ኢና።" ኤርትራዊያን ነበርቲ እስራኤል

ብ 7 ጥቅምቲ 2023 ሓምስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናው፡ ግጭት እስራኤል ፍልስጢኤም ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ኣምሪሑ ኣሎ። ኣብ እስራኤል ካብ ዝነብሩ ኣስታት 30,000 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እቶም ኣስታት 17,000 ዝኾኑ ኤርትራዊያን እዮም። እዚ ኩነታት ብኸመይ ይጸልዎም ከም ዘሎን ዝወስድዎ ስጉምቲ እንተሎን ኩነታቶም ገሊጾምልና ኣለዉ።
Share