“ፖሊስ እስራኤል ዋጋ ኣኽፊሎሙና እዮም፡ ዳርጋ ግጥምና ምስ ፖሊስ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።” ሸዊት ሃይለ

ኣብ እስራኤል ኣብቲ ብ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝተወደበ ፈስቲቫል ኣብ መንጎ እቶም ነቲ መንግስቲ ዝድግፉን ኣንጻር እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብዝተፈጥረ ግጭት ፡ ኣስታት 150 ሰባት ማህሰይቲ ወሪድዎም ፣ 30 ኣባላት ፖሊስ ተጎዲኦም። ነዚ ብዝምልከት ኣብቲ ኩነታት ካብ ዝተሳተፉ ሓንቲ ሸዊት ሃይለ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ካብ ተል ኣቪቭ ገሊጻትልና ኣላ። (ኣብቲ ኩነታት ንመንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝድግፉ ረኺብና ከነዘራርብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰለጠን)
Share