Daniel Teklay (Yonas) Source: Daniel Teklay (Yonas)ሻምፕዮና ቅድድም ብሽክለታ 2016/2017 ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ 12 መድረኻት ዘጠቓለለ ናይ ከተማን ናይ በረኻን ናይ ጊዜ ዉድድር፡ ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ከባቢ ስታዴም ኣዲስ ኣበባ ተዛዚሙ። ኣብቲ 74 ኪ.ሜ ዝሸፈነ ናይ መዛዘሚ ዉድድር፡ ተቐዳደምቲ ኣብ ሰዓት 41 ኪ.ሜ እናተሓንበቡ እዮም ውድድሮም ዘሰላሰሉ። ዳኒኤል ኣብ 12 መድረኻት ብዘዋህለውሎ ግዜ ነቲ ካልኣይ ዝወጸ ተቐዳዳማይ ናይ 4 ደቒቕን 20 ካሊኢትን ኣንጺፉ እዩ ሻምፕዮን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክከውን ዝበቕዐ። ንሱ፡ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣዲስ ኣበባ ንኽኸውን ዝኸኣለ ከምኡ'ውን፡ ኣብቲ ሻምፕዮና ዝተሰርዐ፡ 40 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ፡ ናይ ጋንታ ዉድድር ክሮኖ ሜትር እታ ብኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዝቖመት፡ ክለብ ቅድድም ብሽክለታ ስደተኛታት ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ኮይና ብምዕዋታ ዝተዳለወላ ሽልማት ተረኪባ። ኣብቲ ዉድድር ክሮኖ ሜትር ተቐዳዳማይ ክለብ ኣፍሪቃ ዝኾነ ሙሴ ግርማይ ብዉልቂ ካልኣይ ኮይኑ ብምዕዋቱ ሽልማት ተዓዲሉ። ምሉእ ጸብጻብ ንምስማዕ ኣብዚ ተውቑ፡፣
ሻምፕዮና ቅድድም ብሽክለታ 2016/2017 ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ 12 መድረኻት ዘጠቓለለ ናይ ከተማን ናይ በረኻን ናይ ጊዜ ዉድድር፡ ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ከባቢ ስታዴም ኣዲስ ኣበባ ተዛዚሙ። ኣብቲ 74 ኪ.ሜ ዝሸፈነ ናይ መዛዘሚ ዉድድር፡ ተቐዳደምቲ ኣብ ሰዓት 41 ኪ.ሜ እናተሓንበቡ እዮም ውድድሮም ዘሰላሰሉ። ዳኒኤል ኣብ 12 መድረኻት ብዘዋህለውሎ ግዜ ነቲ ካልኣይ ዝወጸ ተቐዳዳማይ ናይ 4 ደቒቕን 20 ካሊኢትን ኣንጺፉ እዩ ሻምፕዮን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክከውን ዝበቕዐ። ንሱ፡ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣዲስ ኣበባ ንኽኸውን ዝኸኣለ ከምኡ'ውን፡ ኣብቲ ሻምፕዮና ዝተሰርዐ፡ 40 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ፡ ናይ ጋንታ ዉድድር ክሮኖ ሜትር እታ ብኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዝቖመት፡ ክለብ ቅድድም ብሽክለታ ስደተኛታት ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ኮይና ብምዕዋታ ዝተዳለወላ ሽልማት ተረኪባ። ኣብቲ ዉድድር ክሮኖ ሜትር ተቐዳዳማይ ክለብ ኣፍሪቃ ዝኾነ ሙሴ ግርማይ ብዉልቂ ካልኣይ ኮይኑ ብምዕዋቱ ሽልማት ተዓዲሉ። ምሉእ ጸብጻብ ንምስማዕ ኣብዚ ተውቑ፡፣