Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

እቲ ኣቓልቦ ዘይወሃቦ ታሪኽ: ወተሃራዊ ኣገልግሎት ኣቦርጂናዊያንን ቶረስ ስትሬት ኣይላንደራትን ኣብ መዓልቲ ኣንዛክ (ANZAC)

First Nations Anzac

The Australian War Memorial For Our Country memorial recognises the military service of Aboriginal and Torres Strait Islander peoples. Credit: Tracey Nearmy/Getty Images

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣውስትራሊያውያን ነቶም ኣብ ውግእን ግጭትን ምዕቃብ ሰላምን ዘገልግሉ ንምዝካር ኣብ መዓልቲ ኣንዛክ ይእከቡ ። ናይ መን ዛንታ ኢና ግን እንዝክር ዘለና ? ኩሉ ግዜ ዘይንሰምዖ ዛንታታት ኣሎዶ? ኣብዚ ዛንታ እዚ ፡ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዕሽሽ ተባሒሉ ዝጸንሐ ኣገዳሲ ክፋል ታሪኽ ኣውስትራልያ ፡ ማለት ንኣገልግሎታት ኣቦርጅንን ቶረስ ስትረይን ኣይላንደራትን ኽንምርምሮ ኢና ።


  • ክንደይ ኣቦርጂንን ቶረስ ስትሬት ኣይላንደራት ፡ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለምን ካልኣይ ውግእ ዓለምን ኣገልጊሎም?
  • ቀዳሞት ህዝብታት ኣውስትራልያውያን ናብ ውትህድርና ክኣትዉ ኣብ ዝፍትኑሉ ዝነበሩ እዋን ፡ እንታይ ዕንቅፋታት እዩ ኣጋጢምዎም ?
  • ኣቦርጅናውያን ካብ ውግእ ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ፡ እንታይ ኣጋጠሞም ?
  • ኣውስትራሊያ ነቲ ናይ ኣቦርጂናልን ቶረስ ስትሬት ኣይላንደራት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ሎሚ ከመይ እያ ኣፍልጦ ትህቦ?
  • ኣብዚ መዓልቲ ኣንዛክ ብዛዕባታሪኽ ኣቦርጂናውያንን ቶረስ ስትሬት ኣይስላንደርን እንታይ ክትፈልጥ'ዩ ዘሎካ ?

ብዙሓት ካብ ኣቦርጂናውያንን ቶረስ ስትሬት ኣይላንደርን ፡ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ውግእ ዓለም ሓዊስካ ፡ ኣብ ሰራዊት ኣውስትራልያ ኣገልጊሎም እዮም ፣ እዚኦም ኣብ ዉትህድርና ከይገልግሉ ዝኽልከሉ'ኳ እንተ ነበሩ ምስቶም ደቀባት ዘይኮኑ ሓቢሮም እዮም ኣገልጊሎም ።

ሎሚ ታሪኾም ተቐባልነት ክረክብን ዝዝከሩን ንክኾኑ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ ።

ናይ ንጉናዋል / ጎሜሮኢ ሰብኣይ ማይክል ቤል ኣካል እቲ ዕዮ እዩ ። ንሱ ኣብ ዝኽሪ ወተሃደራት ኣውስትራልያ ፡ወኪል ደቀባት ኮይኑ፡ ንኣገልግሎትን መስዋእትን እቶም ወተሃደራዊ ልብሲ ለቢሶም ይኹን ኣብ ሃገሮም ዘገልገሉ ደቀባት ኣብ ምልላይ ዝሕግዝ እዩ ።

በዚ ስራሕ እዚ ኣቢሉ፡ ንጹር ስእሊ ክወጽእ ይጅምር ኣሎ ይብል።

ክንደይ ኣቦርጂንን ቶረስ ስትሬት ኣይላንደራት ፡ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለምን ካልኣይ ውግእ ዓለምን ኣገልጊሎም?

ሚስተር ቤል ፡ "ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ልዕሊ 1200 ደቂ ኣቦርጂን ተኸቲቦም ወይ ኪኽተቡ ፈቲኖም እዮም ፣ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ከኣ ኣስታት 6,500 ሰብኡት ከም ዘለዉ ጌርና ኢና እንሓስብ" በለ ።

Indigenous Australians Honoured On Anzac Day At Coloured Diggers March
ንመዓልቲ ANZAC ምርዳእ ማለት ነቲ ናይ ደቀባት ኣበርክቶን ዘጋጠሞም ብድሆታትን ኣፍልጦ ምሃብ ማለት እዩ ። Credit: Brendon Thorne/Getty Images

እዚ ቝጽርታት እዚ ፡ ዝያዳ መዝገብ ምስ ተቐልዐ እናዓበየ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ።

በዓል ዝኽሪ ኲናት፡ ቍጽሪ እቶም ኣቦርጅናውያን ምስ ፍሉጣት ዝዀኑ ህዝቢ እተተሓሓዘ ሚስጢራት ይመሚ ኣሎ ።

ብዙሕ ዕንቅፋታት እኳ እንተ ኣጋጠሞ ፡እቲ ቝጽሪ ኣገዳሲ እዩ ።

እቲ ኣብ ዉትህድድርና ምኽታብ ወይ ክትክተብ ምፍታን ፡ ልክዕ ኸምቶም ካብ ደቀባት ዘይዀኑ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን መጠን ፡ ተመሳስሊ እዩ ።
Michael Bell

ቀዳሞት ህዝብታት ኣውስትራልያውያን ናብ ውትህድርና ክኣትዉ ኣብ ዝፍትኑሉ ዝነበሩ እዋን ፡ እንታይ ዕንቅፋታት እዩ ኣጋጢምዎም ?

ኣቦርጅናውያን ኣብ ሰራዊት ንኺኣትዉ ኣብ ዝገበርዎ ጻዕሪ ፡ እገዳታት ኣጋጢምዎም እዩ ። እዞም ቀይድታት እዚኦም ኣብ ብዙሕ ደረጃታት እዮም ዝርከቡ ።

ኣቦርጅናውያን ኣብ መላእ እታ ሃገር ንዝገብርዎ ምንቅስቓስ ደረት ነይርዎ እዩ።

ከም ምሉእ ኣውስትራሊያዊ ዜጋታት ተቐባልነት ኣይረኸቡን ፤ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ክሳብ ከም ሰባት ተቐባልነት'ውን ኣይረኽቡን ዝነበሩ ።

ወተሃደራዊ ፖሊሲታት ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ናይ ኤውሮጳ ውርሻ ዘይብሎም የግልሎም ነበረ ።

እዚ ብሓፈሻ ነቶም ኣብ ዉትህድርና ኸገልግሉ ዝደልዩ ዓበይቲ ዕንቅፋታት ፈጢሩሎም እዩ ።

እዚ ቀይድታት እዚ ናሃለወ እውን ፡ ብዙሓት ሰባት ንኺሓትቱ ኣዝዮም እዮም ዝጽዕሩ ነይሮም ። ሓደ ካብዚኦም ካብ ኲንስላንድ ክሳብ ናብ ኣልበሪብምጉዓዝ ዝተኸትበ ከም ዝነበረ ሚስተር ቤል ይገልጽ ።

"ኣብ መገዱ ፡ ሓሙሽተ ሳዕ ኽኽተብ ፈቲኑ፣ ኣብ መወዳታ እተ ሰለጦ'ኳ እቲ ዘሕዝን ፡ ተኸቲቡ በታ ተጻዒኑላ ዝነበረ ናብ ዓውዲ ውግእ እትኸይድ ዝነበረት መርከብ ከሎ ብምሕማሙ ኣብ ዉግእ ኣትዩ ከገልግል ኣይከኣለን ። ስለዚ ኣቦርጂን ብምዃኖም ዝተነጽጉ ናትና ሰባት ተወፋይነትን መመሊስካ ክትክተብ ብምፍታን እዩ ተገይሩ። "ይብል ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ዛንታታት ንቘራጽነት: ተጻዋርነት: ከምኡውን ነታ ሃገር ማዕረ መሰል ኣብ ዘይሃበትሉ እዋን እውን እንተዀነ ንኸተገልግል ሓያል ባህጊ ከም ዘሎካ ዘርኢ እዩ ።

Aboriginal And Torres Straight Islander Veterans
ኣብ ሲድኒ ኣብ ዓመታዊ ናይ ኣንዛክ ዝኽሪ ናይ ዝኽሪ ዕንባባ እናተቐመጠ ። Credit: Lisa Maree Williams/Getty Images

ኣቦርጅናውያን ካብ ውግእ ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ፡ እንታይ ኣጋጠሞም ?

ንብዙሓት ኣቦርጅናውያን ፡ መስዋእቶም ማዕርነት ከምቶም ደቀባት ዘይኮኑ ኣይኮነን ተራእዩ።

ናብቲ ብኣድልዎን ቀይዲ ዘለዎ ሕግታትን ዝሳቐ ዝነበረ ማሕበረሰቦም እዮም ተመሊሶም ።

ሚስተር ቤል ፡ "እቶም ናትና ሰባት ኣብ ዓዶም ኣብቲ ከይ ኣትዉ ተኸልኪሎም እናሃለዉ ኣብ ዘይግብኦም ናይ ወጻኢ ውግእ ንመሰል እዮም ተቓሊሶም" በለ ። "ናብ ሓደ ማዕርነት ዘይረኸበን ኣብ መከራ ዘሎ ሕብረተሰብ እንተ ተመሊሶም ድማ ፡ ናብ ምግላል ፡ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘይምህላው ፡ ዋንነት መሬት ፡ ማዕረ ደሞዝ ፡ ንደቅና ናይ ምምሕዳር ቀይዲ ፡ ናይ ስርቂ ወለዶ ፡ ዘለዎ እዮም ተመሊሶም ።"

ገሊኦም ኣቦርጅናውያን ፡ ጥቕሚ ክረክቡ ክኢሎም እኳ እንተ ነበሩ ፡ ብዙሓት ግና ኣይረኸቡን ፣ ብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቀይድታት ደገፍ ክረኽቡ ኣይከኣሉን ።

ንደቀባት ምስ ካልእ ሓርበኛታት ዉግ እውን ከይተረፈ ርክብ ምግባር ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ ።

መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ዝምለሱ ወተሃደራት ፡ ምስ ከም RSL ክለባት ዝኣመሰላ ንወተሃደራት ዝድግፋን ከም በዓል ኣንዛክ ዝኣመሰሉ ጽምብላት ሓርበኛትኣ ዝድግፋን ማሕበረሰባዊ ትካላት ክጽንበሩ ይተባብዑ ነበሩ ።

ብዙሓት ካብዘን ክለባት ግን ፍቓድ ዘለዎም ኣዳራሻት ኮይኖም፡ ኣቦርጅናውያን ድማ ናብዚ ቦታታት ንኸይኣትዉ ዝቕየዱሉ እዋን ነይሩ እዩ ።

ካብ ደገፍን ምትእስሳርን ድማ ብደይ መደይ መገዲ ተገሊሎም እዮም ።

ኣውስትራሊያ ነቲ ናይ ኣቦርጂናልን ቶረስ ስትሬት ኣይላንደራት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ሎሚ ከመይ እያ ኣፍልጦ ትህቦ?

ኣብዚ ቀረባ ዓሰርተታት ዓመታት ፡ በዓል ዝኽሪ ውግእ ኣውስትራልያ ፡ ንኣገልግሎታት ኣቦርጂናልን ቶረስ ስትራት ኣይላንደርስን ኣብ ምቕላዕን ኣብ ምክፋልን ዝያዳ ግደ ነይርዎ እዩ ።

ሚስተር ቤል ፡ "ዛንታታትና ኣብ ኵሉ ጋለሪታትና ብማዕረን ብመጠንን ይካፈል ኣሎ" በለ ። "ኣብ ኵሉ እቲ እንህቦ ኣገልግሎት ፡ ኣብ ኵሉ ጋለሪታት ኣሳእልን ኣብ ኵሉ እቲ ዛንታታትን ፡ ኣብ ኵሉ ውክልናን ኣሎ ።"

ኣብ በዓል ዝኽሪ ኣውስትራልያ ፡ናይ ጸሊም ኵርናዕ የለን ። እቲ ዛንታ ፡ ከምቲ ንኹሉ ሓርበኛ ክንገብሮ ዝሓተተና ፡ ኣብ ኵሉ ብማዕረ እዩ ዝዝረብ ።
Michael Bell

"ኣብቲ ዩኒፎርም ከም ቀጠልያ ፡ ሰማያዊ ወይ ሓሙኽሽታይ ንሰራዊት ፡ ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን ዝኣመሰለ ኣገልግሎት ሕብሪ ጥራይ እዮም ክርእዩ ዝኽእሉ ነይሮም ።"

እዚ ኣቀራርባ እዚ ፡ ብዙሓት ደቂ ኣቦርጅናውያን ፡ ከም ወተሃደራት ኰይኖም ኣብ ጐድኒ ካልኦት ኰይኖም ብምግልጋል ንገዛእ ርእሶም ከም ዝረኣይዋ ዘርኢ እዩ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ፡ እቲ ንነዊኅ እዋን ተሓቢኡ ዝጸንሐ ዛንታታት እንደገና ተቐልቂሉ ፡ ንስድራ ቤታትን ሕብረተሰባትን ይካፍል ኣሎ ።

"ኣብ" ቲ እንእከበሉ ቦታ ፡ ስእሊ ናይ ኣቦርጂናውያን ጥራይ እንፈልጠሉ ኣጋጣሚ ፡ ስድራ ቤት እውን ኣይረኣይዎን ። ኣብ ክንዳኡ ብ ኣገልግሎቱ ኣፍልጦ ምእንቲ ክንህቦም ፡ ከምኡ ክንገብር ንኽእል ኢና ፣ እዚ ንዓይ ኣዝዩ ባህ ዘብልን ፍሉይን እዩ ፣ ነቶም ነዚ ፍልጠትን ሓበሬታን እዚ ዝፈልጡ ስድራ ቤታት ድማ ፡ ኣብቲ ብዛዕባ ኣገልግሎት ኣቦርጂን ብኣወንታ ኽንጠቅስ እንጽዕረሉ ዘለና ትካል ፡ ነዚ ሓበሬታ እዚ ነካፍሎም ኣለና ። "

ንስድራ ቤታት ፡ እዚ ኣጋጣሚታት እዚ ሓያል ክኸውን ይኽእል እዩ ፡ ምስ ታሪኽ ፡ መንነትን ፍቑራትን እውን ክዛመድ ይኽእል እዩ ።

Aboriginal And Torres Straight Islander Veterans
እቲ ኣብ ሲድኒ ዝግበር ዓመታዊ (ANZAC coloured) ናይ ኣንዛክ ሕብራዊ ጽምብል ዝወደቑ ወተሃደራት ፡ ነቲ ናይ ኦርጂናውያንን ቶረስ ስትሬት ኣይላንደራት ኣበርክቶ ኣፍልጦ ይህብ ። Credit: Lisa Maree Williams/Getty Images

ኣብዚ መዓልቲ ኣንዛክ ብዛዕባታሪኽ ኣቦርጂናውያንን ቶረስ ስትሬት ኣይስላንደርን እንታይ ክትፈልጥ'ዩ ዘሎካ ?

ንመዓልቲ ANZAC ምርዳእ ማለት ነቲ ህዝብታት ኣቦርጂንን ቶረስ ስትሪት ኣይላንደር ዝገበርዎ ኣበርክቶን ዘጋጠሞም ብድሆታትን ኣፍልጦ ምሃብ ማለት እዩ ።

ሚስተር ቤል ፡ "ብዛዕባ ምሉእን ኩሎምን ታሪኽ ኣውስትራልያን ን ብዛዕባ እዚ ሎሚ ዘሎ ኩነታትን እዩ ። እዚ ብዛዕባ እቶም ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ዘይርኣዩ ህዝቢ ኣይኰነን ። ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝነበሩ ሰባት ፡ ዉርሳኦም ክሓብኡ ስለ ዘለዎም ፡ ኸነተባብዖምን ምሉእ ታሪኽ ኣውስትራልያ ኽንርእን ደኣ እምበር ፡ ከምቲ ቀደም ንዝነበረና ኣፍልጦ ብዘይህብ ስርዓታት እተጻሕፈ ክኸውን ኣይደልን ። "

መዓልቲ ኣንዛክ ነቶም ኣብ ውግእን ግጭትን ዘገልገሉ ከምኡውን ንብዙሓት ኣውስትራሊያዊያን እትዝክረሉ እዋን እዩ ።

እዚ ዛንታታት እዚ ኣብ ኵሉ እናተገልጸ ምስ ከደ ፡ ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኽ ኣውስትራልያን ህሉው ኵነታትን ምሉእ ስእሊ ንኺሕዝ ይሕግዝ ።

Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.

Do you have any questions or topic ideas? Email australiaexplained@sbs.com.au


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now