Wallabies star Israel Folau leaves a Code of Conduct hearing in Sydney, Tuesday, May 7, 2019. (AAP Image/Joel Carrett) NO ARCHIVING Source: AAPእስራኤል ፎላ ተጻዋታይ ናይቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ፍቱው ዝኾነ ጸወታ ሀገራዊ ራግቢ ዝነበረ እዩ። ንሱ ኣማኒ ክርስትና ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን እምነቱ ኣንጻር ግብረሰዶማዊያን ድምጹ ከስምዕ ዝጸንሐ እዩ። ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝጸሓፎ ናይ ትዊተር መልእኽቱ፤ “ግብረሰዶማዊያን መወዳእታኦም ኣብ ሲኦል ምእታው እዩ።” ዝብል ንብዙሓት ዘቖጠዐን፤ ራግቢ ኣውስትራሊያ ድማ ምስቲ ተጻዋታይ ዝነበሮ ናይ ሚሊዮናት ዶላራት ዉዕል “ኣረኣእያ እስራኤል ፎላ ምስ ዕላማታት ራግቢ ኣውስትራሊያ ዝጻረር እዩ” ብምባል ኮንትራቱ ሰሪዝዎ። ብድሕርዚ እቲ ተጻዋታይ ጉዳዩ ብሕጊ ንምሓዝ ንጠበቓታት ዝኸውን ናይ ሰለስተ ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ንምሕታት ብጎፋንድ ሚ ሓገዝ ክእከበሉ ጀሚሩ ልዕሊ 750000 ምስተዋህለለ ግና ጎፋንድ ሚ እዚ ኣንጻር ዕላማይ እዩ ብምባል ነቲ ምእካብ ሰሪዙ፡ ነቶም ድሮ ገንዘብ ዘበርከቱ ገንዘቦም ክመልሰሎም ምዃኑ ኣፍሊጡ ነቲ ንጥፈት ደው ኣቢልዎ። The Australian Christian Lobby ዝበሃል ነዚ ጉዳይ ናብ ኢዱ ብምውሳድ ነቲ እስራኤል ፎላ ዝገብሮ ሕጋዊ መስርሕ ንምሕጋዝ ሓዲሽ ናይ ገንዘብ ምውህላል ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ዉሽጢ 24 ሰዓታት ድማ ልዕሊ ሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚሊዮን ዶላር ካብ ህዝቢ ኣዋህሊሉ እቲ ምውህላል ይቕጽል ኣሎ።
እስራኤል ፎላ ተጻዋታይ ናይቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ፍቱው ዝኾነ ጸወታ ሀገራዊ ራግቢ ዝነበረ እዩ። ንሱ ኣማኒ ክርስትና ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን እምነቱ ኣንጻር ግብረሰዶማዊያን ድምጹ ከስምዕ ዝጸንሐ እዩ። ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝጸሓፎ ናይ ትዊተር መልእኽቱ፤ “ግብረሰዶማዊያን መወዳእታኦም ኣብ ሲኦል ምእታው እዩ።” ዝብል ንብዙሓት ዘቖጠዐን፤ ራግቢ ኣውስትራሊያ ድማ ምስቲ ተጻዋታይ ዝነበሮ ናይ ሚሊዮናት ዶላራት ዉዕል “ኣረኣእያ እስራኤል ፎላ ምስ ዕላማታት ራግቢ ኣውስትራሊያ ዝጻረር እዩ” ብምባል ኮንትራቱ ሰሪዝዎ። ብድሕርዚ እቲ ተጻዋታይ ጉዳዩ ብሕጊ ንምሓዝ ንጠበቓታት ዝኸውን ናይ ሰለስተ ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ንምሕታት ብጎፋንድ ሚ ሓገዝ ክእከበሉ ጀሚሩ ልዕሊ 750000 ምስተዋህለለ ግና ጎፋንድ ሚ እዚ ኣንጻር ዕላማይ እዩ ብምባል ነቲ ምእካብ ሰሪዙ፡ ነቶም ድሮ ገንዘብ ዘበርከቱ ገንዘቦም ክመልሰሎም ምዃኑ ኣፍሊጡ ነቲ ንጥፈት ደው ኣቢልዎ። The Australian Christian Lobby ዝበሃል ነዚ ጉዳይ ናብ ኢዱ ብምውሳድ ነቲ እስራኤል ፎላ ዝገብሮ ሕጋዊ መስርሕ ንምሕጋዝ ሓዲሽ ናይ ገንዘብ ምውህላል ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ዉሽጢ 24 ሰዓታት ድማ ልዕሊ ሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚሊዮን ዶላር ካብ ህዝቢ ኣዋህሊሉ እቲ ምውህላል ይቕጽል ኣሎ።