ህወሓት እቲ ምስ ኤርትራ ዝተመሰሰ ዝምድና ክምዕብል ህዝቢ ኤርትራ ከተባብዕ ፀዊዑ: ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ዘእትዉ ግዳማውያን ሓይልታት ኢዶም ክስሕቡ ኣጠንቂቑ መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካን ቆላሕታ ክህቡዎም ሓቲቱ ኣሎ። ፓርቲ ብልጽግና ኢትዮጵያ ኣብ 2030 መርኣያ ብልጽግና ኣፍሪካ ክትከውን ትልሚ ከም ዝሓንጸጸ ኣፍሊጡ። ኤርትራ ብ17 ሚልዮን ናቕፋ መሰረተ ልምዓት ከም ዝሃነጸት ገሊጻ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓድሽ ኣዋጅ ጸረ ራዕዲ ኣጽዲቑ። ኤርትራውያን ነበርቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ምድንፋዕ ትምህርቲ ኤርትራ ክሕግዙ ይሰርሑ። ሚንስትሪ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ኢትዮጵያ ኣብ ናዕቢ ዩኒቨርሲታት ተሳተፍቲ ነይሮም ዝበሎም ልዕሊ 440 ተምሃሮ ስጉምቲ ይወስድ።
Share






