መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናብ ከተማ ሰይንት ፒተርስበርግ ክኣትዉ ጀሚሮም።

ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰራዊት ትግራይ ብኽብሪ ናብ ማሕበረሰቡ ከም ዝተሰነየ ላዕለዋይ ሰብመዚ ትግራይ ገሊጾም። መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናብ ከተማ ሰይንት ፒተርስበርግ ክኣትዉ ጀሚሮም። ኣብ ኣስመራ ስልጠና ሞያ ማእለማ ይወሃብ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ድሕንነትን ኣማኻሪ ጸጥታን ክልል ኣምሓራን ካብ ስልጣኖም ከምዝለቐቑ ተገሊፁ። ኣብ ትግራይ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዕድመኦም ህፃናት ፣ ነፍሰፁርን ኣዴታትን ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ከምዝርከቡ ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ ።
Share