Source: Ethiopian mediasሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮምያ ቤት ፅሕፈት ቤተ ክህነት ከይኽፈት ተቓዊሙ። ብሊቀ ኣእላፍ በላይ መኮነን ዝምራሕ ውዳበ ብወገኑ ምኽፋት እቲ ቤት ጽሕፈት ጠለብ አመንቲ ስለ ዝዀነ ዝዓግቶ የለን ኢሉ። ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ 5ተ ጀነሬተራቱ ተሃኒጹ ማይ ምስ መልአ ከም ዝትከሉ ተሓቢሩ። ኣብ ታሕተዋይ መፋስስ ኣባይ ዘለዋ ሃገራት እቲ ግድብ ማይ ዝመልአሉ እዋን ነዊሕ ክኸውን ፅዕንቶ ከይገብራ ካብ ዝብል ስግኣት ተበጊሱ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝህቡ 16 ጀነሬተራት ኣብ ሰለስተ ምዕራፋት ክትከሉ ተወሲኑ ኣሎ። በዓል ኣሸንዳ ኣብ መቐለ፣ ተምቤን፣ ኣክሱምን ካልኦት ከባቢታት ትግራይን ዓለምን ክፅምበል ቀንዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምዕሩግ ድባብ ተኸምቢቱ። ኣብ ዩኔስኮ ክምዝገብ ከኣ ምድላዋት ይጻፈፍ ከም ዘሎ ተገሊጹ።
ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮምያ ቤት ፅሕፈት ቤተ ክህነት ከይኽፈት ተቓዊሙ። ብሊቀ ኣእላፍ በላይ መኮነን ዝምራሕ ውዳበ ብወገኑ ምኽፋት እቲ ቤት ጽሕፈት ጠለብ አመንቲ ስለ ዝዀነ ዝዓግቶ የለን ኢሉ። ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ 5ተ ጀነሬተራቱ ተሃኒጹ ማይ ምስ መልአ ከም ዝትከሉ ተሓቢሩ። ኣብ ታሕተዋይ መፋስስ ኣባይ ዘለዋ ሃገራት እቲ ግድብ ማይ ዝመልአሉ እዋን ነዊሕ ክኸውን ፅዕንቶ ከይገብራ ካብ ዝብል ስግኣት ተበጊሱ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝህቡ 16 ጀነሬተራት ኣብ ሰለስተ ምዕራፋት ክትከሉ ተወሲኑ ኣሎ። በዓል ኣሸንዳ ኣብ መቐለ፣ ተምቤን፣ ኣክሱምን ካልኦት ከባቢታት ትግራይን ዓለምን ክፅምበል ቀንዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምዕሩግ ድባብ ተኸምቢቱ። ኣብ ዩኔስኮ ክምዝገብ ከኣ ምድላዋት ይጻፈፍ ከም ዘሎ ተገሊጹ።