ኤርትራ ንምትእትታው ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ከምትቃወሞን ንግዝኣታዊ ሓድነት እታ ሃገር ከም ትድግፍን ገሊጻ። (ጸብጻብ)

Homeland News

Source: Getty Images

ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኤርትራ ንምትእትታው ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ከምትቃወሞን ንግዝኣታዊ ሓድነት እታ ሃገር ከም ትድግፍን ገሊጻ። መበል 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ተኸቢሩ። ኣብ ትግራይ ልዕሊ 6500 ኣብ ዓፋርን ኣምሓራን ኣስታት 600 ኣብያተ ትምህርቲ ብምዕናዎም ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ተምሃሮ ልዕሊ 48 ሽሕ መማህራን ካብ ትምህርቲ ቦኺሮም። ሚንስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ኢትዮጵያ ቁጠባዊ ሸርሕታት ፈጺሞም ብዝብል ልዕሊ 50 ሽሕ ኣብያተንግዲ ዓሺጉ፣ ንልዕሊ 80 ሽሕ መጠንቀቕታ ከም ልዕሊ 1500 ከኣ ፍቓዶም ከም ዝሰረዘ ገሊጹ። ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ: ባንክታት እታ ሃገር ውህሉል መጠን ኣታዊ ኣብ ቤትጽፈቱ ዝዓቑርኦ ገንዘብ ካብ 5% ናብ 10% ፣ መጠን ወለድ: ልቓሕ ሓጺር እዋን ካብ 13% ናብ 16% ክውስኽ፣ መጠን ካብ ትካል ረድኤት ዝርከብ ሸርፊ ወጻኢ ካብ 30% ናብ 50% ወሲኹ ክዕቆር ዘገድድ ሕጊ ኣውጺኡ። ዝብሉን ካልኦትን ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ልኡኽና ድሕሪ ዜና ክቐርብ እዩ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service