ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኣስሩ መሪሕነት 4 ውድባት ብዋሕስ ክፍትሑ ብቤት ፍርዲ ተፈቒዱ ግን ከም ዘይተፈትሑ ተገሊጹ።

መበል ራብዓይ ዙርያ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ምዝዛሙ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ። ግብፂ ብወገና ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ በይናዊ ውሳኔ ደው ከተብል፤ ሊግ ዓረብ ጸቕጢ ክገብረላ ጸዊዓ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ናብ ሞሮኮ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ሰዲዱ። ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኣስሩ መሪሕነት 4 ውድባት ብዋሕስ ክፍትሑ ብቤት ፍርዲ ተፈቒዱ ግን ከም ዘይተፈትሑ ተገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ፓስፖርት ጸገም ይፍታሕ ከም ዘሎ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም። እስራኤል ኤርትራውያን ስደተኛታት ከይትሰጒግ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻዪዱ።
Share