ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሓላፊ ስታፍ ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጵያ ተራኺቦም ኣብ ክልትኣዊ ጉዳዮም ተዘራሪቦም።

ብሓላፊት ጉዳያት ፖለቲካ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ዝተመርሐ ልኡኽ ናብ መቐለ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተዘራሪቡ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ናብ ቻይና ናይ ሓዘን መልእኽቲ ሰዲዱ መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ኣምባሳደር ከምዝመዘዘ ኣፍሊጡ። ትካል ቴሌኮም ሳፋሪኮም ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ክጅምር ተንቀሳቒሱ። ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ጣልያናዊት ክልል ላዝዮን ናይ ምትሕግጋዝ ክልተኣዊ ስምምዕነት ተፈሪሙ።
Share