ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ህይወት ጉድኣት ከም ዘየውረደ ተገሊጹ።

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብሰንኪ ኲናት ትምህርቶም ከቋርጹ ዝተገደዱ ተምሃሮኡ ምቕባል ጀሚሩ። ፕረዚደንት ባንኪ ዓለም ኣጃይ ባንጋ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ካልኦት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ተመያዪጦም። ኣብ ልዕሊ ትካላት ትእምት ተነቢሩ ዝነበረ እግድ ክላዓል ብቤት ፍርዲ ተወሲኑ !! መዕርፎ ነፈርቲ ታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ ኣብ ቁጽጽር ዕጡቓት ፋኖ ወዲቑ። ኣብ ኤርትራን ትግራይ ዕስለ ኣንበጣ ከምዝተራእየ ተገሊጹ።
Share