ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት ክረኽቡ ዘይከኣሉ ዜጋታት ብጥሜት ምሟት ከም ዝቐጸለ ተገሊጹ።

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዑስማን ሳልሕ ምስ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ምዝርራቡ ተገሊጹ። ኣብ ትግራይ፣ "ካብ ዝቕፅል ሰሙን ጀሚሩ ብሄራዊ መዓልቲ ሓዘን ክእወጅ' ምዃኑ ተሓቢሩ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ንመዕርፎ ነፈርቲ ኣኽሱም ክጽግኑ ዝኽእሉ ኮንትራክተራት ኣብ ምሕራይ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ ። ኤርትራዊት መንእሰይ ኣብ መትረብ እንግሊዝ ሞይታ ከምዝተረኽበት ተሰሚዑ። ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት ክረኽቡ ዘይከኣሉ ዜጋታት ብጥሜት ምሟት ከም ዝቐጸለ ተገሊጹ።
Share