ብክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተኸልከለ ኣኼባ ህወሓት ንካልእ መዓልቲ ተናዊሑ።

ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ኣሎ ኣርእስታት: ብመንግስቲ ክልል ትግራይ ዝተኸልከለ ኣኼባ ህወሓት ንካልእ መዓልቲ ተናዊሑ። ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝቃለስ"ብርጌድ ንሓመዱ " ምንቅስቓሳቱ ኣብ ዓዲግራት ከም ዝጀመረ ገሊጹ። ፅላል- ሲቭል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ህልዊ ኵነታት ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ ። ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኤርትራ ንመትከላት ሰብኣዊ መሰላት ከተኽብር ብምጽዋዕ ብሓንሳብ ንምስራሕ ዘለዎ ድሉውነት ኣፍሊጡ። ንኹነታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንምምርማር ዝቖመ ኮሚሽን፡ ምርመራ ኣብ ኢትዮጵያ ክጠብቕ ጸዊዑ።
Share