ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተፈጸመ ገበናት ናይ መከላኸሊ መልሲ ክህሉ ምዃኖም ተገሊጹ።

ኣርእስታት ጸብጻብ: ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራብ ሶማልያ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ከም ዝፈሸለ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ነበርቲ ሓቢሮም። ኢጣልያ፣ ምስ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታትን ምትሕግጋዝን ዘድሃበ ዘተ ኣካዪዳ ዕድመ ስራሕ ኮሚሽን መፃረይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ንክናዋሕ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቲቱ።
Share