ኣንጻር መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ኣምሓራ ገለ ከተማታት ከም ዝተቖጻጸሩ ሰብመዚ መንግስቲ ኣረጋጊጾም።

ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኣውስትራልያ እትርከበን ሃገራት ዜጋታተን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝገብሩዎ ምንቅስቓስ ክግድቡ ምዒደን። ኣንጻር መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ኣምሓራ ገለ ከተማታት ከም ዝተቖጻጸሩ ሰብመዚ መንግስቲ ኣረጋጊጾም። ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝቐጸለ ግጭት ከም ዘሻቐሎም ገሊጾም። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ፈተና 12 ክፍሊ 5 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ። ኣብ ካናዳ ከተማ ቶሮንቶ ዝካየድ ኣብ ዝነበረ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ብዝተፈጥረ ዕግርግር ትሽዓተ ሰባት ከምዝቘሰሉ ተገሊጹ።
Share