Source: Suppliedጸብጻብ ሩስያን ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ምሕያል፣ ዝምድና ኣፍሪካ ምስ ካለኦት ከባቢታት ዓለም ምብራኽ ኣብ ጎኒ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ከም ትስለፍ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ገሊጾም። ኣማኻሪ ፕረሲደንት ኣይተ የማነ ገብረኣብ መልእኽቲ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን ኣብጺሖም። ኢትዮጵያ ኣብ ግድብ ህዳሴ ክትከሉ ዝተሓስቡ 16 መፈልፈልቲ ጸዓት ኤሌክትሪክ ተርባይናት ናብ 13 ነኪያቶም። ኣብ ዓፋር ብመጥቃዕቲ ዕጡቓት ህጻናት፣ ደቂ ኣነስትዮን ኣረጋውያንን ዝርከብዎም 17 ሰባት ምቕታሎም፣ ካልኦት 37 ሰባት ምቑሳሎም ስዒቡ ዓበይቲ ጎደናታት ብምዕጻው ናይ ቁጠዐ ሰልፊ ተኻይዱ። ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ብሰሪ ብዝሒ ዝናብ ዝተኸስተ ምግማዕ መሬት 22 ሰባት ሞይቶም።
ጸብጻብ ሩስያን ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ምሕያል፣ ዝምድና ኣፍሪካ ምስ ካለኦት ከባቢታት ዓለም ምብራኽ ኣብ ጎኒ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ከም ትስለፍ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ገሊጾም። ኣማኻሪ ፕረሲደንት ኣይተ የማነ ገብረኣብ መልእኽቲ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን ኣብጺሖም። ኢትዮጵያ ኣብ ግድብ ህዳሴ ክትከሉ ዝተሓስቡ 16 መፈልፈልቲ ጸዓት ኤሌክትሪክ ተርባይናት ናብ 13 ነኪያቶም። ኣብ ዓፋር ብመጥቃዕቲ ዕጡቓት ህጻናት፣ ደቂ ኣነስትዮን ኣረጋውያንን ዝርከብዎም 17 ሰባት ምቕታሎም፣ ካልኦት 37 ሰባት ምቑሳሎም ስዒቡ ዓበይቲ ጎደናታት ብምዕጻው ናይ ቁጠዐ ሰልፊ ተኻይዱ። ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ብሰሪ ብዝሒ ዝናብ ዝተኸስተ ምግማዕ መሬት 22 ሰባት ሞይቶም።