Source: Tsegay Kinfeመንግስቲ ትግራይ ማእከል ሕክምና መኻንነት ክሃንጽ ስምምዕ ፈሪሙ ወፍሪ ሓርነት ዝተብሃለ ምንቅስቓስ ተጋሩ፣ ብፖለቲካን ብሔርን ዝተኣስሩ ተጋሩ ከፍትሕ: 20 ሽሕ ፊርማ አኪቡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክኸስስ ይሸባሸብ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ሰልፊ ኣተሓባቢርኩም ብዝብል ኣባላት እቲ ንርእሱ በዓል ሓደራ አዲስ አበባ የ ኢሉ ዝሰሚ ኮሚቴ ከም ዝተኣስሩ ዝገጸ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማ ክፅውዕ ይግደድ ከምዘሎ ተዛሪቡ። ሚንስትር ጉዳይ ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ አስመራ ዘትየን ገለ ተቓወምቲን ሰብ መዚ መንግስቲ አምሓራ ቴሌቪዥን ትግራይ፣ ኦሮምያ ሚድያ ኔትወርክን ኦሮምያ ኒውስ ሚድያን ኣብ ቅማንት አድሂበን ብዘቕርብኦ ጸብጻብ ብሕጊ ይተሓተታልና ኢሎም። ኣብ ኣዲስ አበባ ሓደ ኣባል ፖሊስ ፌደራል ንክልተ መሳርሕቱ ቀቲሉ፣ ንርእሱን ካልኦት ኣርባዕተ መሳርሕቱ ከም ዘቑሰለ ተገሊጹ። ኣብዚ ቅንያት ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢታት ኣጣየ ምስ ዕጡቓት ኦሮሞ ኣብ ከባቢ ጎንደር ምስ ደለይቲ መንነ ቅማንት ተወሊዑ ብዝነበረ ጎንጺ ቁጽሮም ዘይተገልጸ ሰባት ሞይቶም፣ እቲ ልውውጥ ተኹሲ ከም ዝሃድአ ተሓቢሩ። Homeland Tigrinya
መንግስቲ ትግራይ ማእከል ሕክምና መኻንነት ክሃንጽ ስምምዕ ፈሪሙ ወፍሪ ሓርነት ዝተብሃለ ምንቅስቓስ ተጋሩ፣ ብፖለቲካን ብሔርን ዝተኣስሩ ተጋሩ ከፍትሕ: 20 ሽሕ ፊርማ አኪቡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክኸስስ ይሸባሸብ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ሰልፊ ኣተሓባቢርኩም ብዝብል ኣባላት እቲ ንርእሱ በዓል ሓደራ አዲስ አበባ የ ኢሉ ዝሰሚ ኮሚቴ ከም ዝተኣስሩ ዝገጸ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማ ክፅውዕ ይግደድ ከምዘሎ ተዛሪቡ። ሚንስትር ጉዳይ ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ አስመራ ዘትየን ገለ ተቓወምቲን ሰብ መዚ መንግስቲ አምሓራ ቴሌቪዥን ትግራይ፣ ኦሮምያ ሚድያ ኔትወርክን ኦሮምያ ኒውስ ሚድያን ኣብ ቅማንት አድሂበን ብዘቕርብኦ ጸብጻብ ብሕጊ ይተሓተታልና ኢሎም። ኣብ ኣዲስ አበባ ሓደ ኣባል ፖሊስ ፌደራል ንክልተ መሳርሕቱ ቀቲሉ፣ ንርእሱን ካልኦት ኣርባዕተ መሳርሕቱ ከም ዘቑሰለ ተገሊጹ። ኣብዚ ቅንያት ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢታት ኣጣየ ምስ ዕጡቓት ኦሮሞ ኣብ ከባቢ ጎንደር ምስ ደለይቲ መንነ ቅማንት ተወሊዑ ብዝነበረ ጎንጺ ቁጽሮም ዘይተገልጸ ሰባት ሞይቶም፣ እቲ ልውውጥ ተኹሲ ከም ዝሃድአ ተሓቢሩ። Homeland Tigrinya