ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ናይሮቢን ኣዲስ ኣበባን ዑደት ጀሚሮም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ ጥራሕ 183 ሰባት ከምዝሞቱ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ፖሊስ ዩጋንዳ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብታ ሃገር ምእታዎም ዝተገለጸ 20 ኤርትራውያን ምሓዙ ተሓቢሩ። ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ናይሮቢን ኣዲስ ኣበባን ዑደት ጀሚሮም። ደቡብ ሱዳን ብኢትዮጵያን ኬንያን ኣቢላ መስመራት መተሓላለፊ ነዳዲ ንምቛም ምስ መንግስታት እተን ሃገራት ትዘራረብ ከምዘላ ኣፍሊጣ። ልኡኽ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል፡ ዝመጽእ ወርሒ መስከረም ሰለስተ ሽሕ ሰራዊት ከውጽእ ምዃኑ ተሰሚዑ።
Share