ኣብ ውሽጢ ኢህወደግ ዘለዉ መላፍንቲ ዉድባት ዘሎ ምትፍናን ብዘተ ተፈቲሑ ኣብ ምቕናዕ ሃገር ክትኮር ኢህወደግ ኣተሓሳሲቡ። ከምኡ’ውን ናህሪ ሸቕሊ አልቦነት፣ ዋሕዲ ሸርፊን ፅዕንቶ ልቓሕ ወፃኢ ገና ዘይተኣልዩ ብድሆታት ኢትዮጵያ ከም ዝኾኑ ኢህወደግ ገሊፁ፡፡ ወተሃደራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ንዘሎ መትከል ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ዝቕየሩ ጉዳያት ክልተኣዊ ርክባት ከም ዘይህልዉ ኣፍሊጡ፡፡ ብሻሂ መርዚ ክሰትዩ ተገይሩ ናይ ዝሓመሙ ዕጥቆም ፈቲሖም ኣብ ስልጠና ዝፀንሑ 200 ወተሃደራት ኦነግ ጠንቂ ተፃርዩ ወግዓዊ ክኸውን ኦነግ ጠሊቡ፡፡ ብሰንበት ኣብ ከተማ ኵሓ ብጉዳይ ጠለብ ምዕሩይ ምሕደራ፣ ረብሓን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ዝተበገሰ ምስ ሓይልታት ፀጥታ ተጓኒፆም ምስተኣስሩ ናብ መቕርቦም ከይራኸቡ ተኸልኪሎም ክበሃሉ ዝፀንሑ ሰባት ክራኸቡ ከም ዝጀመሩ ተሓቢሩ፡፡
Share






