ኣብ ሱዳን፡ ኣንጻር ስርዓት ኣልበሽር ዝግበር ዘሎ ተቓዉሞ ቀጺሉ:: መራሒ ተቓዋሚ ፈሊክስ ጸከዲ ኣብ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ደሞክራሲያዊ ሪፑብሊክ ኮንጎ ተዓዋቲ ከምዝኾነ ተፈሊጡ። እቲ ዉጽኢት ንብዙሓት ዘገረመ ኮይኑ ንገለ ድማ እቲ ምርጫ ምጥፍፋእ ኔርዎ እዩ ብምባል ሕቶ ኣልዒሉ ኣሎ። ብስድራኣ ዓመጽ ተፈጺሙኒ ኢላ ካብ ሃገራ ዝግሃደመት ጓል 18 ዓመት ሱዕዳዊት ጓል ናብታ ዑቕባ ዝሃበታ ካናዳ ኣምሪሓ።
Share






