SKIP TO MAIN CONTENT

ምርጫ ደቡብ ሱዳን፡ ዘተ ሱዳን፡ ሓይሊታት ሖቲ ኣብ የመን (ዜናታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ከባቢኡን)

Horn of Africa News
President Cyril Ramaphosa speaks at a victory rally for his African National Congress (ANC) party Source: AP

ወተሃደራዊያን መራሕቲ ሱዳንን ሰላማዊ ተቓውሞ ዝገብሩ ዘለዉን ውሳኒ ዘተ ክገብሩ እዮም:: ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሃገራዊ ኣፍሪቃዊ ኮንግረስ [[ANC]] ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ተዓዊቱ ። ሓይሊታት ሖቲ ካብ ወደባት የመን የንሳሕቡ ኣለዉ።


Published

By Beyene Semere

Source: SBS



Skip to podcast episode content

ወተሃደራዊያን መራሕቲ ሱዳንን ሰላማዊ ተቓውሞ ዝገብሩ ዘለዉን ውሳኒ ዘተ ክገብሩ እዮም:: ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሃገራዊ ኣፍሪቃዊ ኮንግረስ [[ANC]] ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ተዓዊቱ ። ሓይሊታት ሖቲ ካብ ወደባት የመን የንሳሕቡ ኣለዉ።


ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሃገራዊ ኣፍሪቃዊ ኮንግረስ [[ANC]] ኣብታ ሃገር ክግበር ዝጸንሐ ሃገራዊ ምርጫ ዓብላሊ ድምጺ እንተዘይረኸበ እኳ ዳግም ናብ ስልጣን ተመሊሱ።

 እቲ ዉጽኢት ምርጫ ተፈሊጡ ኣሎ፡ A-N-C  ብተኸታታሊ ንሻዱሻይ እዋን ናብ ስልጣን ምድያቡ ደገፍቱ ኣብ ሓጎስ አለዉ።

 እንተኾነ እቲ ዜና ን ANC ኩሉ ጽቡቕ ኣይኮነን። እቲ ዉጽኢት ናይ ሎሚ እቲ ሰልፊ ካብዝጸንሖ ደገፍ ኣዚዩ ከምዝወረደ ዘመልክት እዩ። ANC  ኣፓርታይድ ድሕሪ ምውዳቑ ንደቡብ ኣፍሪቃ ን25 ዓመታት እዩ መሪሕዋ፡፤

 ኣብ 2004 እቲ ሰልፊ 69 ሚእታዊ ድምጺ ብምርካብ ዝሓሸ ደገፍ ዝተራእየሉ እዋን እንተነበረ’ኳ ብድሕሪኡ ደገፍ ካብ ህዝቢ እናጎደለ እዩ ከይዱ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ብብልሽውናን ብልዑል ሽቕለት ኣልቦነት ተሃስያትሉ ኣብ ዘላ እዋን እዩ እቲ ምርጫ ተጌሩ።

ፕረሲደንት ስርሊር ራሞፎዛ ናይ ዓወት መደረ ኣብዘስማዓሉ እዋን እቲ ውጽኢት ሕጂውን ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ A-N-C እምነት ከምዘለዎ እዩ

  ((ጸለምትን ጸዓዱን ደቂ ተባዕትዮን ኣንስትዮን መንእሰያትን ዓበይቲን ደቡብ ኣፍሪካ ንኹላትና ነበርታ ክትከውን ኩላትና ብሓባር ንስራሕ.))

 ራማፎዛ ነቲ ብብልሽውና ተቖማጢዑ ዝነበረ ጃኮብ ዙማ ተኪኡ እዩ ዝሓለፈ ዓመት ስልጣን ተረኪቡ። ኣብዚ እዋን ህዝቢ ኣብቲ ሰልፊ እምነት ክህልዎ ናብ ናይ ቀደም ቦታኡ ንምምላስ እዩ እቲ ዝጸበዮ ዘሎ ብድሆ።

  ((እዚ ሓዲሽ ዘመንዩ ብጾት፡ ንነገራት ብፍሉይ ክንገብሮም ኢና። ንነገራት ብብቕዓት ክንገብሮም ኢና፡፤ ኣብ ቑጠባና ዕብየት ክርኢ ክንሰርሕ ኢና። ኣውፈርቲ  ኣትዮም ክሰርሑ  ክንዕድም  ኢና። መንእሰያት ዕድል ክረኽቡ ከነረጋግጽ ኢና።

 ን ANC  ዝድግፍ ህዝቢ እናንቆልቆለ እንተኸደ እኳ ብዙሓት ናብ ጽርግያ ወጺኦም ሓጎሶም ክገልጹ ቀኒዮም ኣለዉ።

 እቲ ቀንዲ ን A-N-C’ ዝቃወም ሰልፊ  The Democratic Alliance ካብቲ ኣብ 2014 ዝረኸቦ ብ22 ሚእታዊ ድምጺ ኣብዚ ናይ ሎሚ ምርጫ ናብ 20.8 ዝጎደለ ኮይኑ እዩ ተረኺቡ፡፤

ናይቲ ሰልፊ መራሒ ሙሲማ ማይማነ ከምዝብሎ እቲ ሰልፊ ክሰርሖ ዘለዎ ስራሕ ኣለዎ።

 ((ገለ ድምጺታት እንተጉደልና’ኳ ማእከላይ ቦታ ከምዝሓዝና ግና ከረጋግጸልኩም እደሊ።  ከም ሰልፊ ንድሕሪት ተመሊስና ነዞም ዝሰኣናዮም ድምጺ ንምርካብ ክንሰርሕ ኢና።

ቁጽሪ እቶም ኣብዚ ምርጫ ዝተሳተፉ ኣድመጽቲ ኣብዚ ናይ ሎሚ ምርጫ ጎዲሉ እዩ ተረኺቡ። ቅድሚ 5 ዓመት 73 ከድምጹ ተመዝጊቦም ዝነበሩ ኣብዚ እዋን 65 ሚእታዊ እዮም ከድምጹ ተመዝጊቦም።

ኣብዚ እዋን ራማፎዛ ዝጽበዮ ብድሆ ኣብ ዝመጽእ 5 ዓመታት ናይስልጣን ዘመኑ ነቲ ዝገጥሞ ብድሆ ክወጾ ድዩ ኣይወጾን እዩ።

 

  ብመሰረት ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት መደብ ሖቲ ካብ ወደባት የመን የንሳሕቡ ኣለዉ።

 ሓይሊታት ሖቲ ነቲ ተቖጻጺሮሞ ዝነበሩ ወደባት ሆደይዳ፡ ሳሊፍን ራስ ዒሳን ንሓለዋ ገማግም የመን ኣረኪቦም። ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘፍለጦ ሖቲ ካብ ሰለስተ ወደባት ቀይሕ ባሕሪ በቲ ዝተሓንጸጸ መደብ የተግብሮ ኣሎ። እንተኾነ ሓደ በዓል ስልጣን ናይቲ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ተፈላጥነት ዘለዎ መንግስቲ እዚ “ምትላል “ እዩ ክብል ገሊጹ ክብል ኣልጀዚራ ጸብጺቡ።

 ብመሰረት እቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ስዊድን ዝተፈረመ ዉዕል ሖቲ ነቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ምስሓብ ብቐዳም ሓይልታቱ ካብ ቀንዲ ወደብ ሖደይዳን ካልኦት ክልተ ነአሽቱ ወደባት ሳሊፍን ራስ ዒሳን ኣውጺኡ ኣሎ።

 እቲ ስጉምቲ ናይ ሖቲ ኣብታ ሃገር ዝግበር ዘሎ ሓድሕድ ኩናት ደው ንምባል ከም ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ተጌሩ እዩ ተሓሲቡ ዘሎ። እቲ ኲናት ኣብ 2014 ሓሊታት ሖቲ ንዋና ከተማ ሰንዓ ምስተቖጻጸረ እዩ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ህዝቢ የመን ዘህልቕ ዘሎ።

  

ወተሃደራዊያን መራሕቲ ሱዳንን ሰላማዊ ተቓውሞ ዝገብሩ ዘለዉን ውሳኒ ዘተ ክገብሩ እዮም።

 ኣልጀዚራ ከምዝጸብጸቦ፤ ኣብ ሱዳን ህዝባዊ ተቓዉሞ ዝገብሩ ዘለዉ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳያት ናይ መወዳእታ ፍታሕ ንምርካብ ምስቶም ስልጣን ሒዞም ዘለዉ ወተሃደራዊያን መራሕቲ ኣብ ዉሽጢ 72 ሰዓታት ክራኸቡ ከምዝደሊዩ ኣፍሊጦም።

 ወተሃደራዊያን መራሕቲ  ሓዲሽ ዘተ ንምግባርን ስልጣን ናብ ህዝቢ ብዛዕባ ምስጋር  ነቲ ህዝባዊ ተቓዉሞ ዝውድቡ ዘለዉ መራሕቲ ዓዲሞሞም ከምዘለዉ ተገሊጹ።

 እዚ ትማሊ ቀሪቡ ዘሎ ዕድመ ዝመጽእ ዘሎ ብዙሓት ናይ ተቓዉሞ ሰልፊታት ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ማለት ምእዋጅ ሓይሊታት ንነጻነትን ደሞክራሲን ብዝብል ስም ምንቅስቓስ ሲቪላዊ ዘይተአዛዝነት ክእዉጁ ምስበሉ እዩ።

 እቲ ሰልፈኛታት ድሕርቲ ብህዝባዊ ተቓዉሞ ዉልቀ መላኺ ዑመር ኣልበሺር ካብ ስልጣኑ ምዕላዉ፡  ከም ቀንዲ ዛዕባ ማለት እዚ ናይ ሱዳን ናይ መሰጋገሪ እዋን ብሲቪላዊያን ክምራሕ ዝብል ሕቶ ዝብል ዘተ ሕጂውን ኣብ ሰንፈላል እዩ ዘሎ።

 ጽላል  ምእዋጅ ሓይሊታት ንነጻነትን ደሞክራሲን ብዝብል ስም ምንቅስቓስ ወይ DFCF ዝጠልቦ ዘሎ ብሲቪላዊያን ዝምራሕ 4 ዓመት ናይ መሰጋገሪ እዋን ክህሉ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ባይቶ ወተሃደራት ብሲቪላዊን ወተሃደራዊን ዝምስረት ባይቶ ባዕሉ ክመርሖ እዩ ዝደሊ።

 ብቐዳም እቲ ሓዲሽ ጽላል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓዲሽ ዘተ ንምጅማር ካብቲ ወተሃደራዊ ባይቶ ጻዊዒት ቀሪብሉ ኣሎ።

 "ምስቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ ባይቶ ዘሰሓሕበና ዘሎ ጉዳይ ፈሊና ኣፍሊጥና ኣለና፡ እዚ ወሳኒ ዘተ ድማ ኣብዚ ጉዳይ ዘተኮረ እዩ ክኸውን ፡ እቲ ዘተ ድማ ኣብዘን ነጥቢታት ብዝቐልጠፈ ኣብ ዉሽጢ 72 ሰዓታት ክከውን ኢና ንደሊ።” ክብል ወሃቢ ቃል ናይቲ ጽላል ገሊጹ ኣሎ።

 


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now