- ከመይ ጌረ ናይ IVF ክልኒክ ክመርጽ እኽእል?
- መንዩ ነቲ ሕክምና IVF ዝገብሮ?
- IVF ክቡር ድዩ?
- ብዘይካ IVF ካልእ ኣማራጺ ኣሎ ዶ?
- ኣብ መስርሕ ምምርጻ ሓገዝ ይርከብ ዶ?
ብ1978 ኣብ ዓለም ናይ መጀመርያ ዕዉት ናይ IVF ካብ ተገብረሉ ዓመታት ጀሚሩ ፡ ኣብ መላእ ዓለም ካብ 10 ክሳብ 13 ሚልዮን ዝዀኑ ህጻናት ኣብ ላቦራቶሪ ብመስርሕ IVF ከም እተወልዱ ይግመት ።
ኣውስትራሊያ ካብ 'ተን ብIVF ምጥቃም ዝለኦኣለ መጠን ዘለዋ ሃገራት ሓንቲ እያ ።
ብመሰረት እዋናዊ ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ ፡ ኣብ 2022 ኣብ ኣውስትራልያ ካብ ዝተወልዱ 16 ህጻናት ፡ እቲ ሓደ ብ IVF እዩ ተጠኒሱ ።
እዚ ቝጽሪ እዚ ፡ ብ the Australian and New Zealand Assisted Reproduction Database (ANZARD). ዝተኣከበ እዩ ።
ፕሮፌሰር ጆርጂና ቻምበርስ ፡ ነቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝርከብ ፡ ኣሃዱ ምርምር ሃገራዊ IVF ትመርሕ ።
ፕሮፌሰር ቻምበርስ ፡ "ካብ IVF . ሳይክላት 100 ሚእታዊት ፡ ጸብጻብ ካብ ክሊኒካት ንረክብ ኢና" ኢላ ፣ እንተ ዘይኰይኑ ፡ ብመሰረት እቲ ንኺሰርሑሉ እተዋህቦም ሕጊ ኰነ ፍቓድ ንግዲ ይኸዱ ከምዘለዉ ምርግጋጽ ኣይከኣልን እዩ" በለት ።

ናይ ANZARD ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ yourivfsuccess.com.au ዝርከብ ኮይኑ፡ እዚ መርበብ ካብዝኾነ ክሊኒክ ነጻ ዝኾነን ክሊኒክ ብዘይምርካቡ ብመንግስቲ ኣውስትራሊያ ዝተመወለ መርበብ ሓበሬታ እዩ ።
ናብቲ መርበብ ሓበሬታ ዝበጽሑ በጻሕቲ ፡ ክንዮ እቲ ካብ ሃገራዊ ስታቲስቲክስ ዝዝቐርብ ብዛዕባ IVF ሕክምና ዝገልጽ ሓበሬታ ብውልቂ ናይ ኦንላይን መሳርሒ ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም ።
ሓደ ካብዚ ንዋት እዚ ፡ ኣብ መስርሕ IVF ዝ ኣትዋ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምዕዋት ተኽእሎአን ንምግምጋም ዘኽእለን እዩ ።
ፕሮፌሰር ቻምበርስ ፡ "ሰባት ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ፡ ንኣብነት ብዛዕባ ዕድሚኦም ፡ ዕድመ መጻምድቶም ፡ ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ መርመራ ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝገበርዎ ታሪኽ IVF ሓበሬታ ክረክቡ ይኽእሉ እዮም" በለት ።
ምስ ሃገራዊ ገምጋም ናይ ኩሎም ኣብ ኣውስትራሊያ IVF ሳይክልታት ክወዳደር እንከሎ ናይ IVF ክሊኒክ መጠን ዓወት ብናይ ኦንላይን ዝርርብውን ይግበር እዩ ።
"ተጠቀምቲ IVF ብስም ናይቲ ክሊኒክ ኣ ኢንተርኔት ክደልዩ ይኽእሉ እዮም ፡ ወይ ኣብ ፖስትኮድ ኣቢሎም ብምድላይ ኣብ ጥቓኦም ንዝርከባ ክሊኒካት ከናድዩ ይኽእሉ እዮም ።"
ኰይኑ ግን ፡ ምስ ንውልቅኻ ዝሰማማዕ ክሊኒክ ምምራጽ ፡ ኣብ መጠን ዓወት እተመርኰሰ ክኸውን ዘይብሉ እተሓላለኸ ውሳነ እዩ ።

ፕረዚደንት ማሕበር ፍርያምነት ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን ፔትራ ዋል ፡ "እቲ ዝኸበረ ክሊኒክ እቲ ዝበለጸ ወይ እቲ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ወትሩ ዕዉት ከም ዝኸውን ዝገብር ልሙድ ግጉይ ኣረኣእያ እዩ" ትብል።
"እቲ ትኽክለኛ ክሊኒክ ንዓኻ ዝሰምዓካ ፡ ንኣማራጺታትካ ብንጹር ዝገልጽ ፡ ንነፍሲ ወከፍ ስጕምትኻ ከም ዝድገፍን ዘድልየካ ነገራት ኣለሊኻ ንኸተማልኦ ከም እትጽዕርን ዝገብረካ እዩ ።"
ዶክተር ዋለ ፡ ክኢላ ክሊኒካል ኢምብርዮሎጂ እያ፡ ተጠቀምቲ ነተን ኣብ ፍርያምነት ዝነጥፋ ክሊኒካት ብዛዕባ ኣሰራርሓአን ኺሓትትወን ተተባብዖም ፣ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት እውን ሕቶ ክቐርብ ኣለዎ ፦
- ደረጃ ዝወሃብ ውልቃዊ ክንክን
- ግሉጽነትን ስነ-ፍልጠታዊ ኣሰራርሓ
- ዝወሃብ ኣገልግሎታት ደገፍ
- ንፍሉይ ዘድልዮም ዘበለ ሕክምና ምሃብ ፡
- ምስ ባህላዊ ብቕዓት ዝቃዶ ምዃኑ

ናይ ፍርያምነት ሕክምና ኣብ ትገብረሉ እዋን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ምስ ብዙሓት ክኢላታት ሕክምና ኢኻ ትሰርሕ ።
ካብዚኣቶም ድማ እቲ ዝምርምር ክኢላ ፍርያምነት ፡ ነርስ ፍርያምነት ፡ ኣብ ላቦራቶሪ ዝሰርሕ ናይ ክሊኒካል ኢምብሪዮሎጂስት ፡ ከምኡ "ውን ነቲ ናይ ፍርያምነት መማከሪ ዘጠቓልል እዩ ።
ሕክምና ፍርያምነት እንተላይ IVF ብዙሕ ወጻኢታት ክግበረሉ ዝኽእል እዩ ። መብዛሕትኦም ሰባት ሙሉእ ብሙሉእ ወይ እንተወሓደ ንገለ ካብቲ ወጻኢታት ብናይ ግሊ መድሕን ሓለዋ ጥዕና ኣቢሎም ክኸፍሉ ኣለዎም ።
ናይ ሕክምና ፍቓድ ዘለዎም ሕሙማት ናይ Medicare ድጎማ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም ። ብናትካ መምሕድዳር ግዝኣት ወይ ተሪቶሪ ናይ ሓለዋ ጥዕና ኣገልግሎት ብመንግስቲ ንዝምወል ኣገልግሎት ይኸውን ።
ኣብቲ ናይ ውልቀ-ጉዳይኪ እንታይ ከም ዝሕግዘኪ ንሓኪምኪ ኣረጋግጺ ።
ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ኣሌክስ ፖላኮቭ ኣብ ሆስፒታል ሮያል ኣንስታይስ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፍርያምነት እዩ: ሓደ ካብቶም ኣብ ቪክቶርያ ዝርከቡ ወሃብቲ ኣገልግሎት ድማ ብስርዓተ ህዝባዊ ጥዕና ኣቢሎም ፍርያምነት ዝህቡ እዮም ።
"ኣገልግሎት ህዝባዊ ፍርያምነት ካብ ሓኻይም (ጂ.ፒ.) መወከሲታት ይቕበል ፡ ድሕሪኡ ተሓከምቲ መጺኦም ኩሉ መርመራታት ይገብሩ ። ብድሕር'ዚ ብቐጻሊ ዘድሊ ሕክምና ይግበረሉ ።
"ክትዝክሮ ዘገድስ ነገር ፡ IVF ቀዳማይ ደረጃ ስጉምቲ ዘይምዃኑ እዩ ። ከም ሓቂ ከማን፡ እዚ ሕክምና እዚ ካብ መስርዕ ሕክምና ናይ መወዳእታ ስጕምቲ እዩ " ።
ጽፍዮ-እንቋቑሖ ከምኡ'ውን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብሕክምናዊ መገዲ ናብ ማህጸን ምእታው ገለ ካብ ዓይነታት ፍርያምነት እዮም ።

ናይ ፍርያምነት ምኽሪ ከከም መምሕድዳር ግዝኣትካ ወይ ተሪቶሪ ንሓደሓደ ብሓገዝ ፍርያምነት ምክያድ ብሕጊ ግዴታ ይኸውን ።
"ሰባት ኣብ ርክባቶምን ኣብ እዋን ዉሳነ ፍርያምነት ዝፍጠር ብድሆ ናይ ጥዕና ኣእምሮ ሓገዝ ክረኽቡ ኣገዳሲ እዩ።" ይብል ዶ/ር ዋለ ።
"ምሃብ ደገፍ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል እዩ ።
"ሕሙማት ኣብ ጸገም እንተ ኣልዮም ፡ እዚ ፍሽለት ኣይኰነን ፣ ሓገዝ ክረኽቡ ከም ዘለዎም ዝሕብር ምልክት እዩ"
መኻን ምዃን ዘይልሙድ ኣይኰነን ፣ ዘሕፍር ነገር እውን ኣይኰነን ።
ዶክተር ዋለ ፡ "ኣብ ኵሉ መዳያት ሕብረተሰብናን ኣብ ኵሉ ባህልን ኣብ ኵሉ ዓሌትን ዘጋጥም እዩ" በለ ።
"ሓደ ሰብ ፡ ስድራ ቤት መስሪቱ ናይ ምውላድ ድልየቱ ንኺስዕብ ዘለዎ ባህጊ ኺተባባዕን ክድገፍን ኣለዎ ፣ እዚ ከኣ ብዛዕባ ፍርያምነት እዩ ።"
መተሓሳሰቢ ፦ እዚ ሓበሬታ እዚ ሓፈሻዊ እዩ ። ብዛዕባ ኩነታትካ ንጹር ምኽሪ ንምርካብ ንበዓልሞያ ጥዕናኻ ኣዘራርብ ።
Subscribe or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.
Do you have any questions or topic ideas? Send us an email to australiaexplained@sbs.com.au






